2009-07-11 15:56:10

ሰሚናር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፕዮስ መበል 12ን ህልቀተ አይሁድን.


አብ ኢየሩሳሌም ሀገራት ሐቆፍ አካዳሚ መጽናዕቲ ሸዋ ህልቀተ አይሁድ ንመማህራን ዘመናዊ ታሪኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል ዓሰርተ ክልተን ህልቀተ አይሁድን ትኩረት ዝሀበ ሰሚናር ከም ዘካየደ ካብ ኢየሩስሌም ዝመጸ ዜና አገንዚቡ ።

ዶን ጆቫኒ ካፑታ ኮሚስዮን ልዑካን ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ አብቲ ንሳልስቲ ዝጸንሔ ሰሚናር ከም ዝተሳተፉ ይፍለጥ።

ዶን ጆቫኒ ካፑታ ከም ዘመልክትዎ ፡ እዚ ብዓይነቱ ንመጀመርያ ግዜ ዝተኻየደ ሰሚናር”ዚ አብ ካልአይ ውግእ ዓለም ናዚ ጀርመን አብ ልዕሊ አይሁድ ዝፈጸምዎ አሰቃቂ ምህላቅ ህዝብን በቲ ግዜ”ቲ ርእስ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበሩ ፒዮስ መበል ዓሰርተ ክልተ አብዚ ጉዳይ”ዚ ዝበሮም ጊደን ብሰፊሑ ዘትዩ ።

ናዚ ጀርመን አብ ሀገራት ኤውሮጳ ይነብሩ ዝነበሩ አይሁድ አብ ውሱን ቦታ ጅሆ ሒዞም አብ ልዕሊኦም ዝወስድዎ ዝነበሩ ጨካን ናይ ምስቃይን ምቅታልን እኩይ ተግባር ፡ ውሁዳን አባላት ማኅበረሰብ አይሁድ ሞራላውን ኀይሊ ዝተሐወሶን ተቃውም የካይዱ ከም ዝነበሩን ነቲ ሰሚናር ብመርትዖ ዝተሰነየ ጭብጥታት ከም ዝቀረቡን ዶን ካፑታ ገሊጾም አለዉ።

ብሐፈሻ አብ ኩነታት ካልአይ ውግእ ዓለም ብፍላይ ናዚ ጀርመን አብ ልዕሊ አይሁድ ኤውሮጳ አብ ዝፍጽምዎ ዝነብሩ እኩይ ተግባር ጊደ ቤተክርስትያንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል ዓሰርተ ክልተን ከመይ ከም ዝበረ አብቲ ሰሚናር ከም ዝተዘተየሉ አመልኪቶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል ዓሰርተ ክልተ ንተግባራት ናዚ ጀርመን ይቃወሙ ከም ዝነበሩን ናዚ ጀርመን በዚ ፍጹም ይቁጥዑ ከም ዝነበሩን ነቲ ሰሚናር ከም ዝገለጽሉ ዶን ጆቫኒ ካፑታ ጠቂሶም ፡ በቲ ግዜ”ቲ ብ1940 አልበርት አይንሽታይን “ ንተግባራት ናዚ ጀርመን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጥራሕ አድማዒ ብዝኾነ አገባብ ተቃዊማ ፡ ክሳዕ ሎሚ ኑዛዜ የጽልአኒ ኔሩ ፡ ሕጂ ግን ነዚ ምስ ርአኹ ክናዘዝ ይግደድ አለኹ” ኢሉ ዝጽሐፎ ከም ምስክር ነቲ ሰሚናር ከም ዘቅረቡ አፍሊጦም አለዉ ።

አልበርት አይንስታይን አብ መንጎ 1879 ክሳዕ 1955 ዝነበሩ ጀርመናዊ ናይ ሥነፍልጠት ምሁር ብ1921 ኖብል ሽልማት ስነፍልጠት ዝተሸለሙ ኢዮም

መንግስቲ እስራኤልን ካልኦት ሃየስትን ፡ ህልቀተ አይሁድ ክካየድ ከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ምኽልኻል ስጉምቲ አይወስዱስን ከም ዝብሉ ዝዝከር ኢዩ።

እቲ ሽግር ኢሎም ዶን ጆቫኒ ካፑታ በቲ ግዜ”ቲ ናዚ ጀርመን አብ ልዕሊ አይሁድ ናይ ምጽናት ተግባር ክፍጽሙ ከለዉ ቤተክርስትያን ብምስጢር ትከላኸል ስለዝነበረት ኢዩ ።

ዝኾነ ኾይኑ ቅድስት መንበርን እስራኤልን ዲፕሎማስያዊ ርክብ ካብ ዝጅምራ ብ1993 ጽቡቅ ርክብ ከም ዘሎ ዘመልከቱ ዶን ጆቫኒ ህልውና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን አብ ቅድስቲ ሃገር ኢየሩሳሌም ብዝምልከት ናይ ሐባር ኮሚስዮን ይዝቲ ከም ዘሎ አዘኻኺርም።








All the contents on this site are copyrighted ©.