2009-07-11 15:39:37

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሰበስልጣን ቤተክርስትያንን ናይ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማን ተቀቢሎም.


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በመዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ትማሊ ቅድሚ ቀትርን ድሕሪ ቀትርን ዝተፈላላዩ ናይ ቤተክርስትያንን ሲቪልን ሰበሥልጣን አብ ቤት ጽሕፈቶም ተቀቢሎም ከም ዘዘራረቡ ይፍለጥ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ቅድሚ ቀትሪ ናይ ጳጳሳት ጉባኤ ዋና ጽሐፊ ብፁዕ ካርዲናል ጂቫኒ ባቲስታ ረ አብ ሮማ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሐዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ካርዲናል አጎስቲኖ ቫሊኒ አብ ሲሪላንካ ናይ ርእሰ ከተማ ኮሎምቦ ሊቀጳጳስ ብፁዕ አቡነ አልበርት ማልኮልም በብተራ ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ናይ ቫቲካን መግለጺ አፍሊጡ።

ድሕሪ ቀትሪ ክአ ናይ ሕቡራት መንግስታት መራሒ ፕርሲደንት ባራክ ኦባማ ምስ በዓልቲ ቤቶምን ዘሰነይዎም ላዕሎዎት ሰበስልጣን መንግስትን አብ ሓውርያዊ አዳራሽ ቫቲካን ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም እቲ መግለጺ አመልኪቱ።

ናይ ሕቡራት መንግሥታት አመሪካ መራሕ መንግስቲ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሐፊ ምስ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርትዮነ ተራኺቦም ክአ ከም ዝተዘራረቡ እቲ መገልጺ አረዲኡ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አብ ላቲን አመሪካ አብ መኽሲኮ ናይ ኩኤርናቫካ ሰበኻ ብፁዕ አቡነ ፍሎረንስዮ ኦልቨራ ኦቸአ ብዕድመ ገደብ ምኽንያት ካብ ሓላፍነቶም ክወርዱ ዘቅረብዎ ሐሳብ ተቀቢሎም ከም ዘጽደቅዎ እቲ መግለጺ አተሐሒዙ ሐበሬታ ሂቡ አሎ። አብ ክንድኦም ክአ ናይ ሞንተረይ ሐጋዚ ጳጳስ ዝነበሩ ብፁዕ አቡነ አልፎንሶ ኮርተስ ናይቲ ሰበኻ ጳጳሳ ክኾኑ ከም ዝሰየምዎም እቲ መግለጺ ነጊሩ።

ከምኡ ክአ አብ ደቡባዊ ኮርያ ናይ ኹዋንጁ ሰበኻ ብፁዕ አቡነ ኪም ሂ ዩንግ ሊቀ ጳጳስ ናይታ ሰበኻ ሊቀጳጳስ ኮይኖም ከገልግሉ ከም ዝሰየምዎም እቲ መግለጺ አመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.