2009-07-11 13:38:03

ሆንዱራስ


ናይ ሆንዱራስ ብፁዓን ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገሮም ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ብዛዕባ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋሁ፣ ናይታ ሃገር ርእሰ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ሮድርገዝ RealAudioMP3 ማራዲያጋን ዝሃብዎ ርእይቶን ቫቲካን ዘለዋ ኣረኣእያን ብዝምልከት ዝተፈላለያ ግምት ኣለዎም ዝበሃል ዘረባ ናይ ሆንዱራስ ርእሰ ከተማ ሰበኻ ተሓባባሪ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዳርዊን አንዲኖ ሓሶት ምዃኑ ትማሊ “ላ ትሪቡና” ምስ እተሰምየ ናይታ ሃገር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዝገብርዎ ቃለ ምልልስ ከምዝሓበሩ ተገሊጹ።

ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሆንዱራስ ህዝቢ ምኽንያታዊ አምለኻኽታ ክኽተልን ዓመጽን ፍልልያትን ከወግድን ኣኽራርነት ርእዮት ዝኽተል ፖለቲካ ከወግድን፣ ዘይሕጋዊ ዝኾነ ከይዲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ክፍታሕ ከምዘይከኣል ኣብ ምትሕስሳብ ከምእትርከብን ብፁእ ኣቡነ ኣንዲኖ ከምዝገለጹ ክፍለጥ፣ ናይ ላቲን ኣሜሪካ ብፁዕና ጳጳሳት ንቤተ ክርስትያንን ንናይ ሆንዱራስ ብፁዕና ጳጳሳት ጉባኤ ደገፎም ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ሆንዱራስ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዘዕግብ ውጽኢት ከምዝይሃበ ይንገር። እቶም ብዝተፈጸመ ዕልዋ መንግሥቲ ምኽንያት ኣብ ስደት ዝርከቡ ርእሰ ብሔር ማኑኤል ዘላያ ብወገኖም ነቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ እንክሕበር፣ በቲ ዝተፈጸመ ዕልዋ መግንሥቲ ርእሰ ብሔር ኮይኖም ዘለዉ ሮበርቶ ሚከለቲ፣ ነቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ሓንቲ ድርገት ከምዘመልመሉ ክንገር እንከሎ፣ መፍትሒ ንኽርከብ ናይ ኮታ ሪካ ርእሰ ብሔር ኦስካር ኣሪያስ ዝመርሕዎ ዘለዎ ጻዕሪ ክሳብ ሕጂ ኣዕጋቢ ውጽኢት እኳ እንተዝይሃበ ክቕጽል ምዃኑ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.