2009-07-09 13:48:48

ርእይቶ ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላም ቤት ምኽሪ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 “ካሪታስ ኢን ቨሪታተ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ንንባብ ኣብ ምቕራብ መደብ ዝተሳተፉን መግለጺ ዝሃቡን ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሬናቶ ራፋኤለ ማርቲኖ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ፣ RealAudioMP3 “እዛ ናብ ኵሎም ብጹዓን ጳጳሳትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ምእመናንን ሕዝብን ሰብ ዝቡቕ ድላይን ዘቕንዔት ኣዋዲት መልኽቲ ብዓለም ለኸ ደረጃ ዓቢይ ኣቃልቦን ከምእትረክብ ግሁድ ኢዩ ኔሩ፣ እዚ ድማ ሃይማኖትን መራሕቲ ሃይማኖታትን ክውን ክፍሊ ማሕበራዊ ጉዳይ ኢያቶም፣ ሃይማኖት ኣብ ሕዝባውን ሃገራውን መዳይ ገዛእ ርእሱ ቦታ ኣለዎ፣ ስለዚህ ሃይማኖት ናይ ግሊ ኢዩ፣ ኩሉ ሓደ ኢዩ፣ ደረጃ ክቡር ዋጋነት ዝበሃል የሎን ንዝብልን ሕሉፍ ዓለማውነትን ሃይማኖት ዝንጽል ባህሊ ኣብ ዝስፋሕፋሓሉ ዘመን ሓይማኖት ማሕበራዊ ጉዳይ ምዃኑ ኢዩ ዝምስክር ኢሎም ”።

“ናይ ቤተ-ክርስትያን ማሕበራዊ ትምህርቲ፣ ኣብ ናይ ኤኮኖሚ ከይዲ ሕጋውነት መኽሰብን ሸቐጥን የረጋገጾን ይኣምነሉን ኢዩ፣ ብዘይ ሕጋዊ መኽሰብን ሸቐጥን ዕዳጋ ኣይምሃለወን፣ እንተኾነ ግን ዕዳጋ ግቡእ ስነ ምግባራዊ መምርሒ ክህልዎ ይግባእ፣ ስርዓት ኣልቦ የብሉን፣ ስለዚህ መንግሥቲ ብግቡዕ ከመሓድሮን ክቆጻጸሮን እተስተምህር” ኢያ” ኢሎም።

መኽሰብ፣ ወናኒ ትካልን ሠራሕተይናን ኣብ ግምት ዘእቱ ክኸውን ኣለዎ፣ ዕዳጋ ዝቆጻጸርን ንዓማዊል ብሓፈሻኡ ንተጠቃማይ ዝሓሊያ ማኅበራት እውን ክህሊዋ ግቡእን ቅኑዕን ኢዩ” ቢሎም “እዛ ናይ ቅዱስ ኣቦና ዓዋዲት መልእኽቲ ናይ ቤተ ክርስትያን መሠረታዊ ናይ ማሕበራዊ ትምህርቲ ንናይ ሠራሕተይና ማኅበራትን ዓለም ለኻዊ ምትእስሳር ከይዲ እተተባብዕ ኮይና፣ ኵሉ ግን ነቲ ብአምሳልን ኣርኣያን ቅድስቲ ስላሴ ዝተፈጥረ ሰብ ማእከል ዝገብር ዕላማ ክኽተል ከምዘለዎን ብዝተፈላለየ ደረጃ እተረድእን እተተባብዕን ኢያ” ኢሎም።

ጳጳሳዊ ናይ ውኁድ ልቢ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፖውል ጆሴፍ ኮርደስ “እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ብፍላይ ምስታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ ሻምናይ ዕለት 15 ግንቦት 1891 ሕቶ ሠራሕተይናታት ማእከል ብምግባር ነዚ ጉዳይ ብፖሊቲካዊ ምምሕዳሩ ካብ ዝግበር ጻዕሪ ናብ ናይ ማሕበራዊ ኤኮኖሚ ክትኮር ከምዘለዎን ኩሉ ዕለታዊ እንጀራኡ ረኺቡ ክነብር ከምዘለዎ እተስተምህር ‘ሬሩም ኖቫሩም’ እተሰምየትን እታ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 26 መጋቢት 1967 ዓ.ም.ፈ. ‘ፖፑሎሩም ፕሮገሲዮ-ምዕባለ ሕዝብታት’ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ኣብ ግምት ዘእተወትን ኢያ” ኢሎም፣ “ብፍላይ እንታይ ክግበር አለዎ ዘይኮነስ ሕዳሴ ከምዘድሊ እተመልክት ኢያ፣ ጥምየት ድኽነትን ስእነት ሥራሕን ክውገድ ኣለዎ እትብል ጥራሕ ኣይኮነትን ናይ ሕይወትን ባህሊ ክሰረጽን ከይዲ ምትእስሳር ዓለማውነት ኣብ ስነ ምግባር ዝቖመን ዘረኢ ሰብን ተፈጥሮን ዘኽብርን፣ ኩሉ ብዛዕባ ኩሉ ዝግደስ ሓላፍነት ከምዘለውን እዚ ድማ እቲ ክርስቶስ ብቓልን ብሕይወትን ዝገለጾ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ መሠረት ዝገብር ክኸውን ከምዘለዎ እተስተምህር ኢያ” ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.