2009-07-09 13:46:16

ሓቅን ፍቕርን ማእኸል ማኅበራዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ከምዝኾነ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሮቡዓዊ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ሓዳስ ዓዋዲት መልእኽቶም ገሊፆም፣ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካን ሥራሕን ድማ ቅኑዓት ሰባት ከምዘድልዩ ኣዘኻኺሮም፣ RealAudioMP3 ነቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ላኵላ ዓዲ ጣሊያን ጉባኤ ተቐሚጦም ዘለዉ መራሕቲ ብኤኮኖሚ ዝማዕበላ ሃገራት ማለት ጕጅለ ሾሞንተ ከኣ ጸሎት ክግበር ኣተሓሳሰቡ።

እዛ ሣልሠይቲ ዓዋዲት መልእኽቲ “ካሪታስ ኢን ቨሪታተ” “ፍቕሪ ኣብ ሓቂ” ብዝብል ኣርእስቲ እትጽዋዕ ኮይና ቀዳመይቲ ማኅበራዊት መልእኽቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 እያ ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ ዝሓለፈ ሠሉስ 7 ሓምሌ

2009 ዓ.ም ድማ ንኣንበብቲ ተዘርጊሓ።








All the contents on this site are copyrighted ©.