2009-07-08 08:36:11

ፊሊፒንስ


RealAudioMP3 ኣብ ፊሊፒንስ ከተማ ሚንዳናው ንሓሙሽተ ሰባት ምኽንያት ሞትን ንብዙሓት ንመቑሰልቲ ሓደጋ ዘቓልዔ ኣብ ካቴድራል ኮታባቶ ኣፈት ባርዕ ዝተጸምደ ቦምቢ “ብኹሎም ሰብ ጽቡቕ ድላይ ክዅነን ናይ ኮታባቶ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኦርላንዶ ኩዌቨዶ ጻውዒት ከምዘቕረቡን እቲ ተግባር ኢሰብኣውን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዝተፈጸመ ገበንን ጸረ ቅዱስ ቦታን ኢዩ” ከምዝበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይታ ካቴድራል ወሃቢ ቃል ክቡር ኣባ ኤድዊን ደ ጋራንሲያ “ናይ ካታባቶ ማኅበረ ሰብ ክርስትያን ፍርሒ ከዘለዎን ካልእ ናይ ሞት ሓደጋ ከይፍነው እውን ስግኣት ከምዘሎን” ከምዝገለጹ ሚስና ሓቢሩ፣ መንግሥትን ኃይሊ ጸጥታን ኣብቲ ከባቢ ሰላምን ጸጥታን ውሑስ ንምግባር ዘብቕዕ መደብ የጽንዑ ከምዘለዉ እቲ ናይ ዜና ምንጪ ገሊጹ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝሓለፈ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ሥርዓት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ነቲ ዝተፈጸመ ናይ ቦምቢ ሓደጋ ኰኒኖም ነቶም ዝሞቱ እግዚኣብሔር ኣብ መግንሥቱ ክቕበሎምን እቶም ዝተጎድኡ ፈውሲ ክረኽቡን ከምዝጸለዩ ክዝከር እንከሎ፣ ኣብ ፊሊፒንስ ነቲ ዝተፈጸመ ሓደጋ ዝቃወሙ ማህበራዊ ሰላም ዝነቓቕሑ ዝተፈላለዩ መደባት ይካየዱ ከምዘለዉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.