2009-07-08 08:34:14

ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ


RealAudioMP3 “ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሬፑብሊክ ኮንጎ ዘሎ ቅልውላው መፍትሒ ክረክብን ኣብዛ ሃገር ሰላም ንኽረጋገጽ ቤተክርስትያን እትገብሮ ጻዕርታት” እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 29 ሰነ 2009 ዓ.ም.ፈ ኣብ ሮማ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅዱስ ኣክሚም ካብ ዝተቐበሉ 34 ብጹዓን ጳጳሳት ናይ ሰበኻ ኪሳንጋኒ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኡተምቢ ታፓ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ጠቒሶም “ናይ ኡጋንዳ ዓማጽያን ኃይልታት ዝጥርንፍ ገዛእ ርእሱ ናይ ጎይታ ሰራዊት ቢሉ ዝሰሚ፣ ኣብ’ዛ ሃገር ምኽንያት ስእነት ሰላምን ዓመጽን ከምዝኾነን፣ ቤተ ክርስትያን ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ እዚ ውጥረት ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብን፣ ዕርቂ ክረጋገጽ ብቐዳማይ ደረጃ ተዋፊራ ዓቢ ጻዕሪ ከምእተካይድ” ሓቢሮም።

“ናይ ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎን ናይ ርዋንዳን ብሩንዲን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ዝሓቁፍ ናይ ሓባር ጉባኤ፣ ኣብዘን ሃገራት ዝርኤ ዘሎ ማኅበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ውጥረት ተወጊዱ ሰላማዊ ናይ ሓባር ክረጋገጽን እዚ ድማ ኣገዳስን መሠረት ምዕባለ እውን ከምዝኾነ ህዝብታት ብቐዳማይ ደረጃ መንግሥታት እዘን ሃገራት ክኣምኑሉን መታን ከይተሓለለ ኣብነታዊ ጻውዒት ከምዘቕርብን ምእመናን ናይ ሰላም መሣርሒ ኮይኖም ክረከቡን” ከምዘነቓቕህን ሓቢሮም።

“ቤተክርስትያን ኣብ ሓንቲ ሃገር ሰላም ክረጋገጽ ሓድሽ ወለዶ ፈታውን ደላይ ሰላም ንኸውን ኣብ ናይ ሰላም ባህሊ ክህነፅ ከምዘለዎ ኣሚና ነዚ ክፍሊ ማኅበረሰብ ፍሉዩ ቆላሕታ እናገበረት ከምእተስተምህርን እውን” ብጹዕ ኣቡነ ታፓ ገሊጾም። “ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክኽበር ማዕርነት ሕዝብታት ክረጋገጽን ፍትሕን ሰላምን ማሕበራውን ሰብኣውን ስኒት ክህሉን ቤተክርስትያን ካብ መሥራቲኣን እተቐበለቶን ተልእኾን ካብ መራሒኣ እትቕበሎ መሪህ ትምህርቲ መሠረት ከምእተነቓቕሕ” ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነቶም በቲ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ምብራቓዊ ከባቢ ብዝካየድ ዘሎ ውግእን ምኽንያት ንዝተመዛበሉ ልዕሊ 400 ሺሕ ዜጋታት ሓገዝ ንምቕራብ 12 ሚሊዮን ዶላር ከምዘድሊ ካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ረድኤት ካብ ዘተሓለፎ ጻውዒት ክፍለጥ አኻኢሉ። “ኣብ ኮንጎ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭትን ዘስካሕክሕ ድኽነትን መዕለቢ ዘይብሉ ቀጻልን ኢዩ ዝመስል” እንክብሉ ኣብ ኮንጎ ናይ ካሪታስ ሓላፊ ብሩኖ ሚተዮ ከምዝገለጹ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ደቡባዊ ኪቩ 1,300 ደቀንስትዮ ከምተዓመጻን፣ ነዘን ኣደዳ ዓመጽ ዝኾና ናይ ስነ ኣእምሮ ደገፍ ይወሃብ ከምዘሎን፣ ንኹለን ነቶም ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝተጠቕዑ ልዕሊ 1.3 ሚሊዮን ዝግመቱ ሕጻናት ንምሕጋዝን ማኅበረሰብ ዓለም ደገፉ ከቕርብ ሓደራ ከምዘብሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.