Home Archivio
2009-07-08 09:19:43
ሓዳስ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ር.ሊ. ጳጳሳት ንኣንበብቲ ቀሪባ
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ማኅበራውን ኤኮኖሚያውን ጸገማት ዓለም እትድህስስ “ካርታስ ኢን ቨሪታተ” ብዝብል ኣርእስቲ እትጽዋዕ ሣልሰይቲ ዓዋዲት መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ እዚኣ ሎሚ ንጋሆ ሰሉስ ኣብ ኣደራሽ ማህተም ዜና ቅ.መንበር ብፁኣን ካርዲናላት ራፋኤለ ማርቲኖን ፖል ጆሰፍ ኮርደስን ንጋዜጠኛታት
ብዛዕባኣ ብዝሃብዎ መግለጽን መረዳእታን ንኣንበብቲ ከምዝተዘርገሔት ተረጋጊፁ።
ቅዱስነቶም ንኹሎም ካቶሊካዊያን ምእመናን ዓለምን ንሰብ ጽቡቕ ድላይን “ካርታስ ኢን ቨሪታተ” ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመስከሮ ኣብ ሓቂ ዘሎ ፍቕሪ መሠረት ሓቀኛ ምዕባለ ነፍስወከፍ ሰብን ኩሎም ዘርእታት ሰብን ከምዝኾነ ብምርግጋጽ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ ኢላ ትጅምር።
ቀጽልና ትሕዝቶኣ እንታይ ከምዝመስል ብሓፂር ነቕርበልኩም።
All the contents on this site are copyrighted ©.