Home Archivio
2009-07-08 08:38:06
ሆንዱራስ
ኣብ ሆንዱራስ ብዝተፈጸመ ዕልዋ መግንሥቲ ምኽንያት ኣብ ስደት ዝርከቡ ርእሰ ብሔር ማኑኤል ዜላያ ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ዝተገብረ ጻዕሪ ብዘይ ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዝተረፈ ተገሊጹ። እቶም ነቲ ዕልዋ መንግሥቲ ፈጸምቲ ወትሃደራት እታ ንርእሰ ብሔር ዘላያ ኣሳፊራ ናብ ሆንዱራስ ርዕሰ ከተማ
ተጉቹጋልፓ መዕርፎ ነፈርቲ ንኸይትዓርፍ ከምዝገበሩን ኣብ መንጎ ደገፍቲ ርእሰ ብሔር ዘላያን ሓይሊ ጸጥታን ግጭት ከምእተኻየደን ተገሊጹ። ርእስ ብሔር ዘላያ ኣብ ኤል ሳልቫዶር ተመሊሶም ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ይራኸቡን ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ መገዲ የጽንዑ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። ኣብ ሆንዱራስ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ንኸይብእስ ርእሰ ብሔር ዘላያ ናብ ሓገሮም ንግዚኡ ንኸይምለሱ ናይ’ታ ሃገር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ጻውዒት ከምዘቕረበ ተሓቢሩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.