2009-07-04 17:31:43

አባ ፓስኳለ ቦርጎመዮ ዓሪፎም.


RealAudioMP3 አባ ፓስኳለ ቦርጎመዮ ብዝሐደሮም ብርቱዕ ሕማም ቅድሚ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ አብ መበል 76 ዕድምኦም ካብዚ ዓለም”ዚ ተፈልዮም ። አባ ፓስኳለ ቦርጎመዮ ብሐፈሻ አብ ራድዮ ቫቲካን ን35 ዓመታት ናይ መደባት ሐላፊን ን20 ዓመት ዋና ዳይረክተርን ኮይኖም ዘገልገሉ አባል ማኅበር ኢየሱሳውያን ኢዮም ።
ሎሚ ንግሆ አብ ቤተክርስትያን ሳንቶ ስፕሪቶ ኢን ሳስያ ቤተ/ሰቦም ብዙሐት አቡናት ካህናት ምእመናን ሰራሕተኛታት ራድዮ ቫቲካን ወኪላት ቅድስት መንበር አብ ዝተረኽብሉ ብብፁዕ ካርዲናል ሮበርቶ ቱቺ ዝተመርሔ ሥርዓተ ፍትሐት ተፈጺሙሎም ፡ ቅድሚ ቀትሪ ክአ ሐመድ አዳም ለቢሶም ።

ናይ ራድዮ ቫቲካን ዋና ዳይረክተር አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ንዝኽሪ አባ ፓስኳለ ዝሀብዎ ሐጺር መግለጺ ከም ዘመልክቶ ፡ ክቡር ካህን አባ ፓስኳለ አብ እምነታዊ መንፈስ ዝተሞርኮሰን ድላይ እግዚአብሔር ንምምላእን ጸረ”ቲ ዝወረዶም ሕማም ኅያል ቃልሲ አካይዶም ኢዮም።

እዚ ኹሉ ክኸውን እንከሎ ብጸሎት ብጾቶም ኢየሱሳውያን ብቤተስቦም ፡ ብመሐዙቶም ብፍላይ ክአ እቲ ሕማም እናበርትዖም ክኸይድ እንከሎ ዝተነግሮም ፡ ብጸሎት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ተሰንዮም ከም ዝዓረፉ አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አረዲኦም ።



አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ንዝኽሪ አባ ፓስኳለ ቦርጎመዮ ዝሀብዎ ትዕዝብቲ ቀጺሎም አባ ፓስኳለ ሕያዋይ ምእዙዝ ስሳ ዓመት ከም ሐንቲ መዓልቲ ንማኅበር ኢየሱሳውያን ዘገለገሉ አገልጋሊ ቤተክርስትያን ካብ ኩሉ ክአ ህርኩት መንፈሳዊ ኔሮም ኢሎም።

አባ ፓስኳለ ቦርጎመዮ ፡ ትምህርቶም ብንባበ መለኮት ዝፈጸሙ ናይ ማኅበራዊ ርክብ ፍሉይ ትምህርቲ ተውህቦን ጥበብን ክእለትን ዝነበሮም ናይ ራድዮ ቫቲካን ዋና አካያዲ ስራሕ ዋና ኮይኖም ንዕስራ ዓመታት አብ ዝሰርሕሉ ግዜ ራድዮ ቫቲካን ምስ ካቶሊካዊ ዓለም ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ናይ ጣልያን መራኸቢ ብዙኀን ምስ ሀገራት ሐቆፍ መደበራት ራድዮ ከም ዘፋለጥዎ፡ አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አዘኻኪሮም ።

አባ ፓስኳለ ቦርጎመዮ ፡ ዋና ዳይረክተር ራድዮኮይኖም አብ ዝሰርሕሉ ግዜ ናይ አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ኢጣልያን ዓለም ለኻውን ሓዋርያዊ ዑደታት ዘወሃሃዱ ብጽፉፍ ክካየድን ክቃላሕን ዓቢ አስተዋጽኦ ዝገበሩ ከም ዝኾኑ አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ አዘኻኺሮም።

ቀጺሎም ፣ ዝኾነ ይኹን ካቶሊካዊ መራኸቢ ብዙኀን አብ ቅዱስ ወንጌልን አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝህብዎ ትምህርትን ማዕዳን ከተኩር ብሐፈሻ አብ ምንቅስቃስን ምንቅቃሕን ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንከድህብ ዝህብዎ ዝነበሩ መምርሒ ከም ዘይርሳዕ፡ ምስ ቺቪልታ ካቶሊካ ካቶሊካዊ ምዕባሌ ዝተባህለ ትካል ክሳዕ ግዜ ዕረፍቶም ፍሉይ አማኻሪ ኮይኖም ዝሰርሑ ምሉእ ሕይወቶም ንኩላዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘወፈዩ ብርቱዕ ውሽጣዊ መንፈስ ዝነበሮም አባ ፓስኳለ እ/ር ጸዊዕዎም ንሶም ክአ ብመንፈስ ስንዱው ጸኒሖም እነሆ ናብ ሰማያዊ አቦ ተሳጊሮም ኢሎም አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ።

ዓሰርተ ሐደ ሕዳር 2005 አባ ፓስኳለ ቦርጎመዮ ድሕሪ ሳላሳን ሐሙሽተን ዓመት አገልግሎት ራድዮ ቫቲካን ክሰናበቱ እንከለዉ ፡ ነቶም ተአኪቦም ዝነበሩ ብዙሐት ሰራሕተኛታትን ዕዱማትን አብ ዘስምዕዎ ዲስኩር ፡ አብዛ ሰዓት እዚኣ ካብ ብዝገበርክዎ ሞገስን ምስጋናን ክሰምዕ ፡ ንቤተክርስትያንን ንላዕላዋይ ሐዋርያዊ ጓስአ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ዓቅመይ ብዝፈቀዶ ንነዊሕ ግዜ ከገልግል ምኽአለይ ፡ ንእግዚአብሔር የመስግን ኢሎም ስብሐት ንእግዚአብሔር ብማለት ከም ዝተሰናበቱ አባ ሎምባርዲ አዘኻኺሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.