2009-07-04 17:26:47

ኅብረት ኣፍሪቃ


RealAudioMP3 ናይ ሱዳን ርእሰ ብሔር ዑመር ኣል ባሺር ብምንጻት ዘርኢ ሰብ ተኸሲሶም ንፍርዲ ክቐርቡ ዓለም ሓቆፍ ፍርዲ ቤት ዘተሓላለፎ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝበሃል ዘረባ ኅብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ሱዳን ከባቢ ዳርፉር ዘሎ ውግእ ሰላማዊ ፍታሕ ንክረከብሉ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዘተዓናቕፍን ኣብ ዋጋ ዕዳጋን ዘእትው ኢዩ እንክብል፣ ኣብዚ ውሳኔ’ዚ ምስ እዚ ቤት ፍርዲ ከምዝይተሓባበር እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ሓገራት መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዴሞክራሲያዊት ሬፑብሊክ ኮንጎ ናይ ኣፍሪካ ናይ ፍትሕን መሰልን ፍቓድን ዝኃሊ ቤት ፍርድን ናይ ኅብረት ኣፍሪቃ ናይ ልምዓት ባንኪ ቤት ዝምልከት ዝምምዕን ንናይ ኣፍሪቃ ባህሊ ዳግማይ ምንቕቓሕ ዘተባብዕ ስምምዕን ናይ ኣፍሪቓ ናይ ኣኅዝ ጸብጻብ ኣቕራቢ ዝምልከት ውሳኔ ከምእተቐበለቶ ተሓቢሩ። ናይ ሊቢያ ርእሰ ብሔር ሞአማር ጌዳፊ ውህደት ሓገራት ኣፍሪቃ ክረጋገጽን መታን ምሥረታ ሕቡራት መንግሥታት ኣፍርቃ ብሃገራት ኣፍሪቃ ተቐባልነት ክህልዎ ኣቲ ኣብ ሊቢያ ዝካይድ ዝነበረን ትማሊ ዝተዛዘመ ዋዕላ ቅድሚ ትማሊ ዋዕላ ናይ ምቁራጽ ኣድማ ከካየድ ከምዝገበሩ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ልዊስ ኢናሲዮ ሉላ መራሕቲ ኣፍርቃ እቲ ኣብ ሆንዱራስ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግሥቲ ክኹንኑ ከምዝሓተቱ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.