2009-07-03 18:07:41

ዓመታዊ ጉባኤ አባላት ኅብረት አፍሪቃ አብ ሲርተ ሊብያ፡


ትማሊ ባሕቲ ሐምለ 2009 አብ ሊብያ አብ ሐውሲ ደሴት ሲርተ ናይ አፍሪቃ ኅብረት አባል ሃገራት ዓመታዊ ናይ መራሕቲ ጉባኤ ከም ዝተጀመረ ተፈሊጡ አሎ።

ናይ ኅብረት አፍሪቃ ኮሚሽን ፕረሲደንት ጄን ፔንግ ጉባኤ ቅድሚ ምጅማሩ ከም ዘመልከትዎ፡ መራሕቲ ሃገራት አፍሪቃ አብ’ዚ አብ ሲርተ ዘካይድዎ ጉባኤ፤ ናይ ሶማልያን አብ ምዕራባዊ ሱዳን ናይ ዳርፉር ግጭታትን ዝግትኣሉ ኩነታት አተኲሮም ክዝትዩ ኢዮም።

መራሕቲ ሃገራት አፍሪቃ አብ’ዚ ንሠለስተ መዓልቲ ዝጸንሕ ጉባኤ፡ አብ’ታ ጥሜትን ግጭትን ዘይፍለያ ክፍለ ዓለም ምግታእ ግጭታታን፡ ንኤኮኖምያዊ ልምዓት አብ መዳይ ሕርሻ መዋዕለ ንዋይ ብምፍሳስ ናይ መግቢ ውሕስነት ዝረጋገጸሉ ኩነታት ከም ዝደልዩ ናይ’ቲ ኅብረት ኮሚሽን ፕረሲደንት ጄን ፔንግ ከም ዝገለጹ ካብ ሲርተ ይምልከት።

ናይ ኅብረት አፍሪቃ ተዘዋዋሪ ሊቀመንበርነት ፕረሲደንት ናይ ሊብያ መራሒ ኰለነል ሙዓመር ጋዳፊ ናይ ኢጣልያን ኢራንን መራሕቲ አብ’ቲ ጉባኤ ክሳተፉ ዓዲሞሞም ከም ዝነበሩ ክምልከት ከሎ ናይ ጣልያን ቀዳማይ ሚኒስተር በርሉስኮንን ናይ ኢራን መራሒ አሕመዲን ነጃድን ከም ዘይተሳተፉ ተነጊሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.