2009-07-03 11:33:47

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ቅዱስ ጳውሎስ ዝሃብዎ ረቡዓዊ አስተምህሮታት ከም መጽሓፍ ተሓቲሙ


ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ተመሥሪቶም ዝሃብዎ ረቡዓዊ ኣስተምህሮታት ብናይ ቫቲካን ቤት ማሕተም ቅድሚ ትማሊ ንንባብ ከምዝበቕዔ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር RealAudioMP3 ። እዚ ሓዋርያ ጳውሎስ ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦና ብዕለት 28 ሰነ 2008 ዓ.ም.ፈ. ብዕሊ ዘጀመርዎን ብ 29 ሰነ 2009 ዓ.ም.ፈ. ዝተፈጸመ ዓመት ኢዮቤል ቅዱስ ጳውሎስ ምኽንያት ካብ ዕለት 2 ሰነ 2008 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ ዕለት 4 ለካቲት 2009 ዓ.ም. ብዛዕባ ቅዱስ ጳውሎስ ዘቕረብዎ ዕሥራ ኣስተምህሮታቶም ዝጠርነፈ መጽሓፍ ናይ ቫቲካን ምምሕዳር ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ሎዮሎ ምስ ናይ ቫቲካን ቤት ማሕተምን ቤተ መዘክራትን ላዕለዋይ ሓላፊ ኣባ ጁዜፐ ኮስታ ብኃባር ቅድሚ ትማሊ ብዕሊ ብዝሃብሉ ጋዜጣዊ መግለጺ ንንባብ በቒዑ።

“ሥነ ሓሳብ ክርስትና ቅዱስ ጳውሎስ ኣዚዩ ዓሚቝ ብምዃኑ ብቕጽበት ጽሑፋቱ ኣንቢብካ ብቐሊል ክትርድኦ ዘይከኣል ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ ቅዱስ ኣቦና ቅዱስ ጳውሎስ ንምርዳእ ዝሕግዝ ዝተጸንዔ መእተዊ ብምቕራብ፣ ብሕልፊ ድማ ኣብ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልእኽትታት ዝተመሥረተ ሥነ ክርስቶሳዊ ኣስተምህሮ ምዃኑ”፣ ብፁዕ ካርዲናል ሎዮሎ ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም። “እዚ ድማ እምነት አብ ክርስቶስን ታሪኽ ክርስቶስን ዝገልጽ ኢዩ” ኢሎም።

ብኻልእ ወገን “ንናይ ኣብያተ ክርስትያን ምቅርራብን ንናይ ኃባር ዘተን ንኽድግፍ ኣሚቱ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ጽሑፋቱ ቲዮሎጊያዊ ሥነ ድሕነትን ጽድቕን ዘመልክት ኣስተምህሮታቱ እንታይ ከምዝመስል ቅዱስ ኣቦና ዝሃብዎ ኣስተምህሮታት ዝሓዘ መጽሓፍ ከምዝኾነ” ብፁዕነቶም ገሊጾም፣ ኣብ 1999 ዓ.ም.ፈ. ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ሉተራን ቤተ ክርስትያንን ብዛዕባ ናይ ጽድቂ መሪሕ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ናይ ኃባር ሰነድ ከምዘውጽኡ ዘኪሮም፣ “እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ብዛዕባ ቅዱስ ጳውሎስ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ካብ ተግባር ናብ እምነት፣ ካብ እምነት ናብ ተግባር ኣብ ዝብሉ ንኡሳን ኣርእስታት በሪሁ ኣሎ” ኢሎም።

ቀጺሎም ናይ ቫቲካን ቤተ መዘክራት ኣመሓዳሪ ፕሮፈሶር ኣንቶኒዮ ፓውሉቺ “ቅዱስ ጵውሎስ ልዑል ፈላስፋነቱ ዘረጋግጽ ካብቲ ናይ ፈላስፋ ፕላቶኔ ሥነ ኣመለኻኽታ ፍልስፍና ዝተኸተለ ፕሎቲኖ ዝገልጾ አምሳልነት ዘጉልሕ ከምዝኾነን፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ከውሒ እዚ ድማ ነቲ ናይ ኣሪስቶትል ፍልስፍናዊ ሥነ ኣመለኻኽታ ዘንጸባርቕ፣ ንነገራዊ ዝለዓለ ኣቃልቦ ዝህብ ብዛዕባ እምነትን ተግባርን ንዝብል ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ትምህርቲ መሠረት ምዃኑ ዝገልጽ፣ ዓሚቝ ኣስተምህሮ ኢዩ” እንክብሉ ከምዝገለጹ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.