2009-07-03 14:59:28

ምስሊ ሓውልቲ ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ


RealAudioMP3 ኣብ ሮማ ዓብይ ቤት ሕክምና ጀመሊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚአብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነቲ ኣይትፍርሑ ዝብል ምኽሮምን ምትብባዖምን ኣስተምህሮኦምን ዘንጸባርቕ ብናይ ሥነ ቕርጺ ጥበበይና እስቴፋኖ ፒየሮቲ ዝተቐርጽ ምስለ ሓውልቲ ቅድሚ ትማሊ በቶም ን27 ዓመት ናይ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ግሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ብዘገልገሉን ኣብዚ እዋን ናይ ክራኮቪያ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ድዝዊች ስታኒስላው ቡራኬ ከምእተመረቐ ተሓቢሩ። ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ቡራኬ ሥነ ስርዓት ናይ ጀመሊ ካቶሊክ ናይ ሕክምና መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ሎሬንዞ ኦርናጊን ናይ ከተማ ሮማ ከንቲባ ጃኒ ኣሌማኖ ከምእተሳተፉ ተገሊጹ።

እታ ምስሊ ሓወልቲ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ድሕሪ ዋና ኣፋፈት ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ቤት ሕክምና ጀመሌ ከምእተተኽለት ተገሊጹ። ናይ ከተማ ሮማ ከንቲባ ጃኒ ኣለማኖ እዛ ሓውልቲ “ሮማውያን ንር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘለዎም ፍቕሪ ዝገልጽ ኢዩ” ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

“ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ጎድኒ እቶም ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ዝሳቐዩን ንርግጸይና ብሩህ ናይ መጻኢ ዕድል ዘየማዕድዉ ሰባት ኮይኖም ብጸሎቶም ከምዘጸናንዑ ዘረጋገጽ ከምዝኾነን፣ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብ’ዚ ቤት ሕክምና ብሓፈሻኡ ን153 መዓልታት ከምዝተሓከሙን ካብታ ዝሕከሙላ ዝነበሩ ቤት ን21 ጊዜ ማርያማዊ ጸሎት ከምዝመርሑን” ብጹዕ ካርዲናል ስታኒስላው ድዝዊች ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.