2009-07-03 11:37:05

መንነት ካህናት


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ሮቡዕ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ሮቡዓዊ ኣስተምህሮ ዓመተ ካህናት ከፍርዮ ዝኽእል ፍረን ኣውራ ንኻህናት ኣድላዪ ዝኾነ ነገራትን ዝድህስስ ከምዝነበረ ተመልኪቱ። RealAudioMP3

ቅድስናኦም ኣብዚ ኣስተምህሮ ኣብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ጸሎት ዕሽሽ ክበሃል ዘይግባእ ክቡር ነገር ከምዝኾነ ጠቒሶም፣ ካህን ምሉእ ብምሉእ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ ዝጽውዖን ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ከምዝጽመድ ዝገብሮን ባዕሉ እግዚኣብሔር ኢዩ። ምእንትዚ እዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ዓመተ-ካህናት ኵሎም ምእመናን ንካህናትን ጸሎት ኪገብሩ ይግባእ። እዚ ዓመት እዚ ካህናት ውሽጣዊ ተሓድሶን ኣብ ሓላፍነት ተልእኾኦም ጽኑዕ ቁርጺ ፍቓድን ዝወስድሉ ዕድል ዝህቦም ኪኸውን ዓቢይ ተስፋ ኣሎኒ።

ናይ ካህናት ቅድስና ሓቀይና መንገድን ሕይወትን ጸዋዕታ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኾን ካህናት ጸሎት ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.