Home Archivio
2009-06-30 17:15:11
ፍጻሜ ዓመተ ጳውሎስ ሓዋርያ፡
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ካተድራል ቅዱስ ጳውሎስ ተረኺቦም ብዙኅት አባላት ቤተክህነትን ምእመናንን አብ ዝተረኽብሉ ፡ ጸሎተ ሰርክ መሪሖም ዓመተ ሓዋርያ ጳውሎስ ዛዚሞም ።
ናይ ቁስጢንጢንያ ፓትርያርክ ናይ ብፁዕ ወቅዱስ በርጦሎመዮ ቀዳማይ ልዑካን ክአ አብቲ ዝተኻየደ ሥርዓተ ፍጻሜ ዓመተ ሐዋርያ ጳውሎስ ከም ዝነበሩ ተፈሊጡ አሎ።
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብቲ ካብ መንደቅ ቅድስቲ መንበር ወጻኢ ዝርከብ ጳጳሳዊ ካተድራል ቅዱስ ጳውሎስ ብብዙሐት ካርዲናላትን ጳጳሳትን ተሰንዮም መሥስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉ ክዝከር ከሎ ፡ አብቲ ዝግበርዎ ስብከት ከም ዘመልከትዎ ፡ካብቲ አብ ውሽጢ ካተድራል ቅዱስ ጳውሎስ ንመዋዕል ተዓቂቡ ዝነበረ አስከሬን ዝተረፈ አካል ዝተኻየደ ሳይንሳዊ መርመራን መጽናዕትን ናቱ ማለት ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዝኽነ ተፈሊጡ ።
እቲ ዝተኻየደ ሳይንሳዊ መጽናዕትን መርመራን ምስቲ ተረፍ አዕጽምቱ ፡ ናይ ቤተክርስትያን አልባሳት ከም ዝኾኑ ከም ዘነጸረ ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት በነዲክቶስ አብ ስብከቶም አመልኪቶም።
እዚ አብ ልዕሊ”ቲ አብ ውሽጢ ካተድራል ቅዱስ ጳውሎስ ዝተረኽበ መቃብር ዝጸንሔ ጥንታዊ አዕጽምቲ ዝተኻየደ መርመራን መጽናዕትን ፡ አብ ቀዳማይን ካልአይን ክፍለ ዘመን ዝነብር ዝነበረ ሰብ ከም ዝኾነ ክአ ከም ዘየማትእ ውጽኢት ሳይንሳዊ መርመራ ከም ዘረድኤ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሐበሬታ ሂቦም።
ዓመተ ሓዋርያ ጳውሎስ ሰማዕት ይዛዘም ድአምበር ፡ ህዝበ ክርስትያን አብ ትምህርቲ ጳውሎስ ተመርኲሱ ፡ ክርስትያናዊ ጉዕዝኡ ክቅጽል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አተሐሳሲቦም።
ሓዋርያጳውሎስንሰብሮማ፡ንትሐደስ ንለወጥ ሐደስቲ ሰባት ክንከውንአለና ብማለት ዝጽሐፎ መልእክቲ ዘኪሮም ክአ በቅዱስ ጳሎስ ንትሐደስ ኢሎም።
ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ብክርስቶስ ክንልወጥ ክንሕደስ ከም ዘለና አጥቢቁ ከም ዝሐተና ክርስቶስ ሐዲሽ ሕይወት ከም ዘልብሰና ክርስቶስ ከም ዘድኅነና አሚኑ ካብ ሐደ ጫፍ ናብ ካልእ ጫፍ እናተወናጨፈ ቅዱስ ወንጌል ዘበሰረ መሠረተ ክርስትና ከም ዝኾነ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አዘኻኪሮም።
ህዝበ ክርስያን ከሀሌ፡ ኩሉ ፈጣሬ ኩሉ ፡ እግዚአብሔር ዝደልዮ ክገብር አለዎ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ፡ ንሱ ጽቡቅ ኢዩ ዝደሊ ንሱ ብርሃን ኢዩ ዝደሊ ንሱ ንጽሕና ርሕራሔ ኩሉ ሰናይ ዝኮነ ነገር ስለዝደሊ ድላዩን አሰሩን ክኽተል ከም ዝግባእ ገሊጾም።
ቀጺሎም ሓዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ኤፈሶን ብዛዕባ እምነተ ዝአኸለ ሰብ ከም ዝጽሐፈሎም ዘኪሮም ፡ እዚ ማለት ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ወይ ክአ ብሃበ ተረኽበ ወይ ክአ ብሃውሪ አብ ዝመሰለካ ክትአምን ፡ ንፋስ ናብ ዝነፈሶ ምስኡ ትዕዘር ማለት ከም ዘይኮነ ጠቂሶም፡ እንታይ ድአ ስለዝበሰልካ ክትሐስብ ዕድል ስለዘለካ አብ እምነትካ ተመርኲስካ ጸረ ክርስትናዊ እምነት ንዝኾኑ ነገራት ምግታእ መገዲ ጽድቅን ሐቅን ምኽታል ማለት ከም ዝኾነ አረዲኦም።
አርድእቲ መድኀኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ መስረቲ እንኮ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃብታን ክብራን ከም ዝኾኑ ክአ አዘኻኺሮም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ናይ ባሲሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል አንድረአ ኮርደሮ ላንዛ ሞንተ ዘሞሎ ከም ዘመለከትዎ ፡ እቲ ንመዋዕል አብ ውሽጢ ባሲሊካ ተዓቂቡ ዝነበረ አዕጽምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሰማዕት ፡ ብፍቃድ ርእሰ ሊቃነ ጳሳት ሳይንሳዊ መርመራን መጽናዕትን ምስተገበረሉ ፡ ክሳዕ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ዝፍለጥ ክአ ብዓቢ ምስጢር ተታሒዙ ከም ዝን አበረ ገሊጾም።
ውጽኢት ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትከም ዝተዋህበን ትማሊ አብ መዕጸዊ ዓመተ ጳውሎስ ባዕሎም መግለጺ ክህቡ ከም ዝተገብረን ብፁዕ ካርዲናል አንድርአ ኮርደሮ ላንዛ ሞንተዘሞሎ ጠቂሶም ክአ እቲ ውጽኢት አብ ልዕሊ ህዝበ ክርስትያን ዓቢ መንፈሳዊ ሐጎስ ከም ዘሕደረን መግለጺ ከም ዝሀቡ ተፈሊጡ አሎ።
ካብ ርሑቅ ምብራቅ ከይተረፈ ነቲ አብ ባሲሊካ ቅዱስ ጳውሎስ አብ ትሕቲ መንበረ ታቦት ዘሎ መቃብር ሓውርያ ጳውሎስ ሰማዕት ከም ዝተዓዘብዎ አመልኪቶም።
አብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከባ ዓመታዊ ጳውሎስ ዘኽበራ አብያተክርስትያናት ትማሊ ከም ዝዓጸዋ ክአ ተፈሊጡ አሎ ።
All the contents on this site are copyrighted ©.