2009-06-30 17:33:26

ምዝዛም ዓመት ቅ.ጳውሎስ ኣብ ቱርኪ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ዓመተ ቅዱስ ጳውሎስ ብወግዒ ንምዝዛም ናብ ዝተፈላለዩ ዓድታት ዝውከልዎም ካርዲናላት ሰዲዶም ከምዝነበሩ ዚዝከር እዩ።

በዚ መደብ እዚ መሠረት ንቅዱስነቶም ወኪሎም ናብ ቱርኪ ዝኸዱ ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊ ቱራን ሊቀ መንበር ናይ ሃይማኖታት ሕድሕዳዊ ተዋሥኦ ቤት ምኽሪ ኢዮም። ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊ ቱራን ትማሊ ንግሆ ኣብ ተርሴስ ምስ በጽሑ፣ ኣብ ኣንጾክያ ንዓመተ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ መዛዘሚ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣቕሪቦም፣ ስብከት እውን ኣስሚዖም። ብፅዕነቶም ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሓሙሽተ አቡናት ምስኦም በኁባሬ ከምዝቀደሱ፣ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ድማ ብኃባር ተሓጕሶም ከምዝወዓሉ ተመልኪቱ። RealAudioMP3








All the contents on this site are copyrighted ©.