2009-06-27 16:58:49

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ጳጳሳት ቨትናም አብ ቫቲካን፡


ብፁዓን ጳጳሳት ቨትናም አብ ቫቲካን ቪሲታ አድ ሊሚና ማለት፡ ሓዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ከም ዘለዉ ክፍለጥ ከሎ፡ ትማሊ ብናይ ሳይጎን ጳጳሳ ብብፁዕ አቡነ ቩ ቫን ቴየን ተመሪሖም ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዝተራኸቡ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ ።

አብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት አብ ውሽጢ ሐሙሽተ ዓመት ሐደ ግዜ መቃብራት ቅዱሳን ጰጥሮስን ጳውሎስን ንምስላም ቫቲካን ከም ዝበጽሑን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምርኻብ ክአ አብያተ-ክርስትያናቶም ብዝምልከት ምስኦም ከም ዝዝትዩን ይፍለጥ።

ቤተክርስትያን ቨትናም በቲ አብቲ ሃገር አብ ዓውደ ትምህርትን ማኅበራዊ መዳያትን እተካይዶ ሙያ ብህዝቢ ዝተናእደን ዝተመስገነን ከም ዝኾነ ይፍለጥ።

ናይ ቨትናም ረኪበ ጳጳሳት ሊቀመንበር ብፁዕ አቡነ ንጉየን ቫን ኞም ከም ዝገለጽዎ ፡ ቅዱስ ወንጌል ክርስቶስ ፡ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ አብ ቨትናም ከም ዝተዘርኤ ብምዝኽኻር አብ መንጎ ንብዙሕ ዓመታት ዓቢ ሽግራት አጋጢሙ ከም ዝነበረ ዘኪሮም እግዚአብሔር ይመስገን ሎሚ ኩሉ ከም ዝሓለፈ ጠቂሶም ፡ ካብ 1960 ንድሐር ክሳዕ ሎሚ ቤተክርስትያን ቨትናም፡ ሓዋርያዊ አገልግሎታ ብጽቡቅ ተሰላስል ከም ዘላ ሐበሬታ ሂቦም አለዉ

ናይ ቨትናም ረኪበ ጳጳሳት ሊቀመንበር ብፁዕ አቡነ ንጉየን ቫን ኞም አተሐሒዞም፡ብ2007 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ መንግስቲ ቨትናም ቀዳማይ ሚኒስተርን ምስተራኸቡን ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ሊቀመንበር ብብፁዕ አቡነ ፒየትሮ ፓሮሊን ዝምራሕ ናይ ቅድስቲ መንበር ልዑካን አብ ቨትናም ምስ በጽሔን ምስ ናይ መንግስት ሰበስልጣናት ምስ ዘተየን ርክብ መንግስቲን ቤተክርስትያን ቨትናምን አዝዩ ከም ዝተመሐየሸ አረዲኦም ።

ዝበዝሕ ህዝቢ ቨትናም ቡድሃ ሃይማኖት ከም ዝኽተል ክፍለጥ ከሎ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቨትናም ምስ”ዚ እምነት”ዚ ዝኽተል ህዝቢ አብ ናይ ሓባር ክብርታት ብሓባር ከም ትሰርሕ ናይ ሳይጎን ጳጳስ መግለጺ ሂቦም አለዉ።

አብ ቨትናም ሐደ ሺሕ ተመሃርቲ ዘርአ ክህነትን ካብ ሓምሳ ሺሕ መማህራን ትምህርተ ክርስቶስን ከም ዘለዉ አመልኪቶም ክአ ምእመናን ምስ ቁምስናታቶም ዱልዱል ርክብ ከም ዘለዎም ሐበሬታ ሂቦም አለዉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.