2009-06-25 17:36:54

ጳጳሳት ቨትናም ንሓዋርያዊ ምብጻሕ መንበረ ጴጥሮስን ምስላም መቃብራት ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን አብ ቫቲካን ይርከቡ


ብቪሲታ ኣድ ሊሚና ዚፍለጥ ጳጳሳት ካቶሊክዊት ቤተ ክርስትያን ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መንበረ ጴጥሮስን ምስላም መቃብራት ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን ንምክያድ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገረ ቨትናም ኣብ ከተማ ቫቲካን ይርከቡ።

ሃገረ ቬትናም ካብ ዓዲ ጣልያን ቁሩብ ዕብይ ትብል ኮይና 83 ሚልዮን ነበርቲ ኣለውዋ፣ ካብዚኦም 7 ሚእታዊት ከባቢ 6 ሚልዮን ካቶሊክ እዮም። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቨትናም ኣብ ሠለስተ ርእሰ ሰበኻታትን 23 ሰበኻታትን ዝተኸፋፈለት እያ።

ሽሕ’ኳ ብስደትን መከራን ትሳቀ እንተሃለወት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቨትናም ውዕውዕ ሕይወት ክርስትና ከም እትመርሕ ዘመልከቱ ብፁዓን ጳጳሳት ቨትናም ታሪኽ ቤተ ክርስትያኖም ብጭቆናን ጸቅጥን ዝተምዝገበ ምዃኑ ብኸምዚ ዚስዕብ ገሊጾሞ፣ ‘መንጎ መበል 17 ን 19 ክፍለ ዘመናት አንጻር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን 53 ኣዋጃት ተአዊጆም፣ ኣብ’ዚ ዚሓለፈ ክፍለ ዘመን ከአ ኣብ ሥርዓት ሶሻሊዝም ምእመናንን ጓሶትን ናይ’ዛ ቤተ ክርስትያን ብዙሕ ተጨቍኖም፣ ሎሚ ግን እዚ ኩሉ ቁሩብ ዝፈኾሰ ይመስል፣ ቍሩብ ነጻነት ናይ ምንቅስቃስ ተፈቂዱ አሎ። ናይ ግብረ ሠናይ ትካልት እውን ነቲ ሕዝቢ ንኸገልግላ ዚኣክል ነጻነት ኣለወን፣ እቲ ክበድ ግን ምሉእ ብምሉኡ አይተኣልየን፣ ኮይኑ ግን ንኹሉ መሰናኽላት ሰጊራ ዕውት ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ተበርክት ከምዘላ ብዙሕ ምልክታት ኣሎ።

ሽሕ’ኳ ዋሕዲ ካህናት እንተሎ ዝግበር ቅዳሴታት ብምእመናን ምስ አዕለቅለቀ እዩ፣ ካቶሊካውያን ምእመናን ቨትናም ብዝተፈላለየ ጉጅለታትን ምንቅስቃሳትን ተወዲቦም ዓቢ ናይ ስብከተ ወንጌል ግብረ ተልእኮ የካይዱ፣

ናይ ቤተ ክርስትያን ቨትናም ሕያው ዝኾነ ካልእ ዓቢ ምልክት ከአ ምስ ዘሎ ቍጽጽርን ተጽዕኖን መንግሥቲ ብዝሒ ጸዋዕታ ክህነትን ውፉይ ሕወትን እዩ፣ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ ቨትናም 5ኦ ማሕበራት ደቅ አንስትዮ ልዕሊ 20 ማኅበራት ደቂ ተባዕትዮ ይርከቡ፣ ሳለዝያውያንን ረደንቶሪስትን ዚበሃሉ ዓበይቲ ማኅበራት አዕጋቢ ሥራሕ የበርክቱ ከምዘለው ብኅልፊ ከአ ረደንቶሪስትስ ዚበሃል ማኅበር ንቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ቋንቋ ቨትናም ብምትርጓም ዕዙዝ አበርከቶ ከምዝገበሩ ዝገለጹ ብፁዓን ጳጳሳት ቨትናም ሠለስተ ዓበይቲ ብደሆታት ከምዘለዎም ኣመልከቱ፣ ስብከተ ወንጌል ኵስኰሳ ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን ጸገማት ሥድራ ቤትን ክገጥምዎም ዘለዎም ጸገማት ምዃኑ አብሪሆም።

ከም መፍትሒ ናይ’ዚ ጸጋማት፦ ሥድራ ቤት ብዝርኢ ኣብ ዚሓለፈ ታሕሣሥ ሓንቲ ዓዋዲት መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ፣ ስብከተ ወንጌል ብዝርኢ ሃገራዊ ዕማም ብምሕንጻጽ ቅዱስ መጽሓፍ ንኩሉ ንምብጻሕ ይዕድሉ ከምዘለው ከምኡ’ውን ኣብ ገጠራት ናይ’ታ ሃገር ሓደስቲ ንቍጣታት ስብከተ ወንጌል ከምዝኸፈቱን አመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.