2009-06-25 18:39:58

ተልእኾ ካህን


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ሮቡዕ ነቲ ልሙድ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ መደብ ትምህርቲ ክርስቶስ ከምዘቅረቡ ኪምልከት ከሎ፣ ቅዱስነቶም ትማሊ ዝገለጹ ብዛዕባ ዓመተ ክህነት እዩ። ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮ ማኅበር ቀይሕ መስቀል ካብ ዝምሥርት ትማሊ መበል ሚእትን ሓምሳን ዓመት ልደቱ ከምዘክበረ ኣተሓሳሲቦም፣ መንእሰያት ብወለንታኦም ኣባላት ማኅበር ቀይሕ መስቀል ናይ ምዃን ዝንባለ ክህልዎም ኣበራቲዖም። እቶም ኣብ ኩነታት ውግእን ግጭትን ተጨውዮም ጅሆ ተታሒዞም ዘለው ኣባላት ማኅበር ቀይሕ መስቀል ድማ ብቅልጡፍ ነፃ ኪልቀቁ ብዕቱብ ኣማኅጸኑ RealAudioMP3 ። ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ትማሊ ኣስተምህሮ ነቶም ኩሎም ኣብ ዙርያ ዓለም ግዳያት ውግእን ዓመጽን ኮይኖም ዝሳቐዩ ዘለው ሕፃናት ዘኪሮም መንፈሳዊ ቅርበቶምን ሓልዮቶምን ድማ ገለጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.