2009-06-25 18:53:01

ስደተኛታትን ቀዋሚ መንበሪ ዘይብሎም ማኅበረሰባትን


አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ስደተኛታትን ቀዋሚ መንበሪ ዘይብሎም ማኅበረሰባትን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀመንበር ብፁዕ አቡነ አጎስቲኖ ማርከቲ ናይ ጣልያን ሀገራዊ ቤት ፍርዳዊ ቤት ምኽሪ አኬባ መሠረት ብምግባር ንመራኸቢ ብዙኀን ከም ዝገለጽዎ፡ ቤተክርስትያን ሓዲሽ ዓይነት ባርነት ክኽሰት እናርአየት ስቅ ክትብል አይትኽእልን ።

ቅድሚ ሎሚ’ውን እንተኾነ ቤተክርስትያን ከምዚ ዝዓይነቶም ንሰብ ዝጐድኡ ተግባራት ክኽሰቱ እንከለዉ ድምጻ ከም ዘስምዔት ብፁዕ አቡነ አጎስቲኖ ማርከቲ ከም ዝገለጹ ይምልከት።

ዓለም ለኻዊ ኤኮኖምያዊ ጥምረትን ናይ መጐዓዓዝያን መራኸቢ ብዙኀን ሥልጠትን ዋሕዚ ስደተኛታት ከም ዝንህር ከም ዝገበሩ ብፁዕ አቡነ አጎስቲኖ ማርከቶ ጠቂሶም አብ ክንዲ ምስ ስደተኛታት ምትሕብባር ግን ምዝመዛን ዘመናዊ ባርነትን ክኽሰት ምርአዩ ዘተሐሳስብ ጉዳይ ይኸውን አሎ ኢሎም።

አብ ልዕሊ”ዚ ክአ አብ ልዕሊቶም ካብ ርሑቅ ተሰዲዶም ዝመጹ ዝተፈልየ ባህልን ቋንቋን ዘለዎም ሰባት ናይ ዓሌት አድልዎ ከም ዝካየድ ብምምልካት አብዛ ንእሽቶይ ዓዲ እናኾነት ትኸይድ ዘላ ዓለም”ዚአ ምጽውዋር ትዕግስትን ከም ዘድሊ ወዲ ሰብ ብአምሳል እግዚአብሔር ዝተፈጥረ ክቡር ምኻኑ ምርዳእ ከም ዘድሊ ብፁዕ ኣአቡነ አጎስቲኖ ማርከቶ ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ አሎ።

አመንዝራነትን ሕጻናት ወተገደራትን ንምግታእ ቤተክርስትያን ትጽዕር ከም ዘላ ዘመልከቱ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ስደተኛታት ጳጳሳዊ ቤት መኽሪ ሊቀመንበር ብፁዕ አቡነ ማርከቶ ገሊጾም።

ናይ ዓለም ሀብቲ እንተዘይተደላዲሉ ስደትን ፍልሰት ህዝብን ክግታእ ከም ዘይክእል ክአ አተሐሒዞም አገንዚቦም።

አብ መንጎ ሀብታማትን ድኽታትን ሀገራት ዘሎ ናይ ሀብቲ ሀጋፍ ዝዘበሉ ኩነታት ክፍጠር ከም ዝግባእ ክአ አምልኪቶም አለዉ።








All the contents on this site are copyrighted ©.