2009-06-23 18:37:05

ንሓገዝ ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ዝግበር ተግባር (ROACO)


ንሓገዝ ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ዝግበር ተግባር ብሮአኮ ዚብል ምሕጻረ ቃል ዚፍለጥ ግጅለ ትማሊ ሥሩዕ መንፈቃዊ ጉባኤኡ ጀሚሩ። ክሳብ ጽባሕ ከምዝቅጽል ከአ ምስ’ዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።

ኣብ ናይ ሎሚ ርክብ ንምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ናይ እትኃሊ ማኅበር ኃላፊ ብፁዕ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪ ናይ ኢየሩሳሌም ናይ ሥርዓተ ላቲን እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፋውድ ጥዋልን ዲስኩርን ጸብጻብ ከቅርቡ እዮም።

እቲ ጉባኤ “ናይ ኢየሩሳሌም ናይ ሥርዓተ ላቲን እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ብዘቅርብዎ ትዕዝብትን ትጽቢትን መሠረት ሕይወትን ምሥክርነትን ክርትያን ኣብ ቅድስት መሬት” ብዝብል ተማ ክዛተ እዩ።

ዋና ጸሓፊ ሮአኮ ጥቀ ክቡር ኣባ ለዮን ለመንስ ንጋዜጠኛ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ሽሕ እኳ ውሑዳት እንተኾኑ፣ ህላዌ ማኅበረ ክርስትያን ኣብ ቅድስቲ መሬት ብጣዕሚ አድማዕን አገዳስን እዩ። ምኽንያቱ ሓንቲ ሕያው ዝኾነት ማኅበረ ክርስቶስ ኣሰሩ ብምስዓብ እቲ ንሱ ዘስተምሃረሉን ዝነበረሉን ክባቢ ከም ዝኽሪ ዑና ኮይኑ ከይተርፍ ሕይወት ትህቦ። ብኻልእ ወገን እዚ ንቅድስት መሬት ጥራሕ ኣይኮነን ዚምልከት እንታይ ደአ እዚ ህላዌ እዚ ንምሉእ ማእከላይ ምብራቅ ሕይወት ይህብ፣ ቀጻልነት ተልእኮ ክርስቶስ የረጋግጽ፣ እዚ ቦታ’ዚ ናይ’ተን ሠለስተ ብሓደ ኣምላኽ ዚአምና ዓበይቲ ሃይማኖታት ማለት ኣይሁዳዊ እምነት ክርስትናን ምስልምናን ዝተወልዳሉ ቦታ እዩ። ናይ’ዘን ሠለስተ ዓበይቲ ሃይማኖታት ብሰላም ተሓባቢርካ ምንባር ኣብ ሰላም ናይ መላእ ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎ። በዚ ኸአ እዮም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቅድስት መሬት ዝገበርዎ ንግደቶም ሥቃይ ዕብራውያንን ክርስትያንን ኣስላምን ብሓደ ዓይኒ ክጥመት ዘተሓሳሰቡ። እቲ ዝዓበየን ቀጻልን ካብቲ ቀንዲ ተልእኮታት ማኅበረ ክርስትያን ከአ እዚ እዩ፣ ብዙሓት ኣባላትና ዝኾና ማኅበራት ግብረ ሠናይ ኣብ’ዚ ተልእኮ እዚ ንቤተ ክርስያን ናይ ቅድስት መሬት ይሕግዙ አለው። አብ ቅድስት መሬት ዝርከቡ ‘ደሴታት ሰላም’ ብምዃን ክርስትያንን አስላምን ብሓንሳብ ዝግልገሉለን ገዳማት ኣብያተ ክርስትያን ትካላት ጥዕና ኣብያተ ትምህርቲ ዪኒቨርሲታት አለዋ። ንአብያተ ክርስትያን ቅድስት መሬት ምድጋፍ ከስ ነዛ ነዚ አገልግሎት እዚ እተወፈ ማኅበረ ክርስቶስ ሕይወት ምዝራእ እዩ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ንሰላም ማእከላይ ምብራቅን መላእ ዓለምን ምሥራሕ እዩ’’ ኪብሉ ገሊጾም።

አተኩሮ ናይ’ዚ ጉባኤ እዚ በብዓመቱ እኳ ዚፈላለ እንተኾነ ነተን ብግዲ ሓገዝ ዘድልየን ኣብ ሥቃይ ዚርከባ ኣብያተ ክርስትያን እናኣለለየ ዓመት ዓመት ቀዳምነታት ይሠርዕ። ኣብ’ዚ ናይ ሕጂ ጉባኤ ክትሕገዝ ተባሂላ ቀሪባ ዘላ ቡልጋርያ እያ። ነዚ ብዝርኢ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘‘ቡልጋርያ 80 ሺሕ ዝኾኑ ካቶሊክ ኣለውዋ፣ ዳርጋ 1 ሚእታዊት ናይ ሕዝባ ማለት እዩ፣ ሓደ ኣቡን ቡልጋርያን ልኡከ ጳጳስ ወይ ኑንጽዮ ናይ ቡልጋርያን ኣብዚ ጉባኤ መጺኦም መግለጺ ክህቡ እዮም፣ እዚ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ነተን ንአሽቱ ማኅበረ ክርስትያን ከይተረፈ ከምእትግደስ የመልክት። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቡልጋርያ ሽሕ’ኳ ንእሽቶ እንተኾነት ኣብ ጊዜ ኮሙኒዝም ብዙሕ ስደት ዘሕለፈት እያ። ኣብ’ቲ ግዜቲ ዳርጋ ኩሎም ካህናት ደናግል ኣቡናት ከይተረፉ ተአሲሮም፣ ገለ ብብዝሒ ሥቃይ ሞይቶም ገለ ተቀቲሎም፣ ብዙሓት ሰማዕታት ቡልጋርያ ኣለውና፣ ኣብ 1989 ኩሉ ሓሊፉ እታ ቤተ ክርስትያን እንደገና ምስ ተወልደት ኩሉ ካብ ዘሮ ክጅመር ግዲ ኮነ፣ ከምቲ ዚሓለፈ ሎሚ እውን አገልግሎት ግብረ ሠናይ ከምዝሕግዝዋ ርግጸኛ እየ” ክብሉ መግለጺኦም ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.