2009-06-21 12:22:27

ዓመተ-ክህነት


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዓመት ክህነት መሠረት ብምግባር ኣብ ዝጸሓፍዋ መልእክቲ ኩሎም ካህናት ዓለም፤ ነቲ ኪግልጽ ዘይከአል መድኃኒ ፍቅሪ እግዚኣብሔር ብምምስካር ኣብነት ህልውና ክርስቶስ ሥጋ ንምልባስ ዝጽዕር ዝነበረ ቅ.ዮሓንስ ማርያ ቨኒ ክኽተሉ ከምዘማሕጸኑ ይዝከር።

ናይ ቫቲካን ረድዮ ዜና ወኪል ናይ ሥርዓተ ኣምልኮን ቅዱሳት ምሥጢራትን ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብምዃን ንዘገልገሉ ልኂቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፍራንሲስ ኣሪንዘ፤ ‘‘እዚ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝአወጅዎን ትማሊ ድማ ብወግዒ ብፍሉይ ሥርዓታት ጸሎተ ሠርክ ዝጀመርዎን ዓመተ ክህነት እንታይ ዓይነት ጥቕሚ ኪህበና ክንጽበ ከምዘሎና’’ ሓቲትዎም ከማዚ ዚስዕብ መልሲ ሂቦም አለው። RealAudioMP3








All the contents on this site are copyrighted ©.