2009-06-21 12:25:49

ቅዱስ ቍርባን ሱር ሓድነት ቤተ ክርስትያን


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ንብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ ኢግናጽዮ ዩሰፍ ዩናን 3ይ ናይ ኣንጾክያ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ጊዜ፣ ዕለት ዕለት ምእንቲ ሰላም ማእከላይ ምብራቅን ዒራቅን እጽሊ ክብሉ ገለጹሎም። መሠረት ናይ ኩሉ ቅዱስ ቍርባን ምዃኑ ንምግላጽ ድማ ከምዚ በልዎም። ‘‘ቅዱስ ቍርባን ንማኅበረ ክርስትያን ዝምግብ እንጌራ ሕይወት ኮይኑ ኣብ ሓድነትን ፍቅርን የዕብየን። ቅዱስ ቍርባን ምሥጢረ ሓድነትን ውህደትን እዩ። ቤተ ክርስትያን ሥርዓተ ሲርያ ንዘለዋ ጸገማት ንኽተሸንፍ ኃይሊ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ክትረኽቦ ትኽእል።’’ እንክብሉ ጸገማት ቤተ ክርስትያን ሥርዓተ ሲሮ-ካቶሊካ ወትሩ ከምዝሓስብዎን ፈውሱ ከአ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ከምዝኾነን አመልከቱ። RealAudioMP3
ቅዱስ ኣቦና ዘረባኦም ብምቅጻል፣‘‘እወ ብሓቂ ነቲ ዝተፈላለየ ሥርዓታትና ንሕዝበ እግዚአብሔር ሃብቲ ውርሻ ብምግባር ኣብ ሓድነት እንኮ መንፈስ ዝምሥርቶ ቅዱስ ቍርባን እዩ። ምእመናን ናይ’ዚ ሥርዓት እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ’ዚ ምድሪ እዚ እንከሎ ዝዛረቦ ዝነበረ ቋንቋ ምጥቃሞም ጥንታውነትን ሃብትን ናይ’ዚ ውርሻ’ዚ የጉልሕ። ናይ ግዜና ምልክታት ብብርሃን ወንጌል ብምትርጓም ትጽቢትን ተስፋን ናይቶም ኣብ ሰፍ ዘይብል ዓዘቅቲ ድኽነት ዝነብሩ ዘለው ደቂ ሰባት ከተማልኡ ትኽእሉ። ኣብ ጉዕዞ ናይ ኣዝማን ታሪኽኩም ምስክር ውህደት ምስ መንበረ ጴጥሮስ ተቀኒትኩም ንመንፈሳውነት ምሥራቃዊ ሥርዓተ አምልኾ ቀጥ ኣቢልኩም ምሕዝኩም ዝምስገን እዩ። ንሕና’ውን ምሳኹም ነዚ ካቶሊካዊ እምነት እዚ ኢና እንቅበል። በዚ ኸአ ናይ ሓድነትና ምልክት ትማሊ ኣብ ሳንታ ማርያ ማጆረ ብሥርዓትኩም ኣብ ዘዕረግክምዎ መሥዋተ ቅዳሴ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ብስመይ ብኁባሬ ምሳኹም ዝቀድሱ፣ ወትሩ ኣብ ጸሎተይ ኣሎኹም፣ ብሕልፊ ምእንቲ ሰላም ናይ ማእከላይ ምብራቅ ብሕልፊ ከአ ምእንቲ ፍቅርቲ ሃገረ ዒራቅ ዕለት ዕለት ኣብ ዘዕርግዎ መሥዋዕቲ ቅዳሴ ሥቃይ ናይት’ቲ ሕዝቢ’ውን ናብ ጐይታ አቅርብ። ድሕሪ ምባል ኣብ መወዳእታ ነዚ ዚዛዘም ዘሎ ዓመት ቅዱስ ጳውሎስ ሓዋርያ ኣሕዛብን ነቲ ትማሊ ዝጀመረ ዓመተ ክህነትን ብምዝካር ኩልና ክንጥቀመሉ ሓደራ’’ ብማለት ዘለዎም ተስፋን እምነትን ገለጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.