2009-06-21 12:40:53

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ ሳን ጆቫኒ ሮቶንዶ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሰንበት ዕለት 21 ኣብ ሳን ጆቫኒ ሮቶንዶ ክፍለሃገር ፑልያ ዓዲ ጣልያን ናይ ሓደ መዓልቲ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ይገብሩ አለው። በቲ አቀዲሙ ዝተሓንጸጸ መደብ መሠረት ብአቆጻጽራ ሰዓት ዓዲ ጣልያን ሰዓት ትሽዓተ ብሄሊኮፕተር ከተማ ሳን ጆቫኒ ሮቶንዶ ኣትዮም፣ ናይታ ከትማን ሰበኻን መንፈሳውያንን ሕዝባውያንን መርሕቲ ድሙቅ አቀባብላ ምስ ገበሩሎም ናብቲ ቅዱስ ኣስከሬን ቅዱስ ፓድረ ፕዮ ተዓቂቡሉ ዘሎ ቤተ መቅደስ ሳንታ ማርያ ደለ ግራዜ ኣቲዮም ያን ብሕቲ ጸሎት አዕሪጎም።

ሰዓት ዓሠርተን ፈረቃን ኣብ ቅርዓት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ፕዮ ዘፒየትረልቺና መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም፣ ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር እውን ኣብጺሖም።

ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ መደቦም ሰዓት አርባዕተን አርባዓን ሓሙሽተን ምስ ሕሙማንን ሓካይምን ሓለፍትን ሆስፒታል ተራኺቦም፣ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቃን ድማ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ፕዮ ምስ ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን መንእሰያትን ኪራኸቡ እዮም።

RealAudioMP3







All the contents on this site are copyrighted ©.