2009-06-18 17:55:48

ድሕሪ 500 ዓመት ቀዳማይ ፊንላንዳዊ ጳጳስ ናይ ሀለኒስኪ


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አባ ተሙ ሲፖ ዝተባህሉ ካህን ናይ ርእሰ ከተማ ሄልዚንኪ ጳጳስ ኰይኖም ከገልግሉ ከም ዝሰየምዎም አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ። RealAudioMP3

ሐደ ዜጋ ፊንላንድ ናይ ሄልዚንኪ ጳጳስ ክስየሙ እዚ ድሕሪ 500 ዓመት ብምኻኑ ታሪኻዊ ከም ዝኾነ እቲ መግለጺ አመልኪቱ። ቅድሚ ሐሙሽተ ሚእቲ ዓመታት አቡን ሄልዚንኪ ዝነበሩ ዜጋ ፊንላንድ ብ1464 ዝተወልዱ በ1522 ዝዓረፉ ብፁዕ አቡነ አርቪድ ኩርኪ ከም ዝኾኑ እቲ መግለጺ አዘኻኪሩ።

መብዛሕትኡ ህዝቢ ፊንላንድ ሉተራዊ ሃይማኖት ከም ዝኽተል ክፍለጥ ከሎ እቶም አብ ፊንላንድ ዝርከቡ ዓሰርተ ሺሕ ካቶሊካውያን ዝበዝሑ ወጻእተኛታት ከም ዝኾኑ ይምልከት።

ሐዲሽ ጳጳስ ሄልሲንኪ ብፁዕ አቡነ ተሙ ሲፖ አባል ማኅበር ደሆንያኒ አብ ጀርመን አብ ከተማ ፍራይቡርግ ብፍልስፍናን ንባበ መለኮትን ዝተመረቁ ቆመስ ሄልሲንኪ ዳረክተር ካቶሊካዊ ማእከል ሐበሬታ ኮይኖም ንነዊሕ ግዜ ዘገልገሉን ከም ዝኾኑ እቲ መግለጺ ኣአገንዚቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.