2009-06-18 17:40:10

ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ አውስትርያ ብፁዓን ጳጳት ልኡካንን አዎንታዊ ከምዝነበረ ተገሊጹ።


ብዕለት 15ን 16ን ሰነ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንናይ አውስትርያ ብፁዓን ጳጳሳት ዝውክሉ ልኡካን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ገሊጽና ነበርና። እዞም አርባዕተ ወከልቲ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን አውስትርያ ብፁዕ ካርዲናል ክሪስቶፍ ሾንቦርን ናይ ቫይን ሊቀጳጳስን ናይ አውስትርያ ጉብኤ ጳጳሳትን ፕረሲደንትን፣ ብፁዕ ኣቡነ ኣልዋ ኮትጋሰር ሊቀጳጳስ ናይ ሳልስበርግ ብፁዕ ኣቡነ ኤጎን ካፐላሪ ጳጳስ ናይ ግራዝሰካውን ናይ አውስትርያ ጉባኤ ጳጳሳት ምክትል ኣቦ መንበርን፣ ብፁዕ ኣቡነ ሉድቪግ ሽቫርጽ ናይ ሊንዝ ጳጳስን ከምኡ’ውን ልኡከ ጳጳስ ናይ አውስትርያ ብፁዕ ኣቡነ ፒተር ስተፋን ዙርብሪገን ነበሩ። RealAudioMP3

ብወገን ኩርያ ቅድስቲ መንበር ንአቡናት ናይ እትኃሊ ማኅበር ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ጆቫኒ ባቲስታ ረ፣ ዓንቀጸ ሃይማኖት ናይ እትኃሊ ማኅበር ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ዊልያም ጆሰፍ ለቫዳ፣ ንካህናት ናይ እትኃሊ ማኅበር ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ክላውድዮ ሁመስ፣ ንትምህርቲ ናይ እትሓሊ ማኅበር ሓልፊ ብፁዕ ካርዲናል ዘኖን ግሮኮልውስኪ፣ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምእመናን ፕረሲደንት ብፁዕ ካርዲናል እስታኒስላው ርየልኮ ተረኺቦም ነሮም።

ኣብቲ ርክብ ዝተላዕለ ነጥብታት ረዚን እኳ እንተነበረ ሕውነትን ምርድዳእን ዝነበሮ ከምዝኾነ ተገሊጹ። ኩነታት ሰበኻ ሊንዝ ብፍላይ ብሓፈሻ ከአ ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አውስትርያ ዚምልከት ነበረ። ቅዱስ ኣቦና ትምህርቲ ክርስቶስ ብብርሃን ሓዲስ ትምህርቲ ክርስትያን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክሕደስ ከምዘለዎ አመልኪቶም፣ ከምኡ’ውን ሕቶታት እምነትን ሓዋርያዊ ጉስነአትን ኩነታት ቤተ ክህነትን ምእመናን ኩስኰሳ ተማህሮ ዓቢይ ዘርአ ክህነትን ትምህርቲ ንባበ መለኮትን ብዝርኢ፣ ቤተ ክርስትያን ኣብ ካልኣይ ጉባኤን ብድሕሪኡን ንእተስተምህሮ ብምሉኡ ክቅበሉን ተአማንነቶም ክገልጹን ሓደራ ቢሎም።

ጳጳሳት ኣውስትርያ ብወገኖም በቲ ዝተኻየደ ርክብ ዕጉባት ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ ኣባታዊ ሓልዮት ቅዱስ ኣቦናን ምትሕብባር ናይ ዝተፈላለያ ቤት ምኽርታትን ቅዱሳት ማኅበራትን ሓለፍቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ኣብ ኩርያ ሮማና አመስጊኖም።

ብፁዕ ካርዲናል ክሪስቶፍ ሾንቦርን ናይ ቫይን ሊቀጳጳስን ናይ አውስትርያ ጉብኤ ጳጳሳት ፕረሲደንትን፣ ድሕሪ’ቲ ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ “ተዓዲምና መጺእና፣ ልባውን ሕውነታውን ዘተ ኣካዪድና፣ ኣብ ሰበኻ ሊንዝ ዘሎ ወጥሪ ምሥጢር ኣይኮነን፣ ኣባ ዋግነር ተራዳኢ ጳጳስ ናይ ሊንዝ ክኾኑ ምስ ተረቍሑ ብርቱዕ ክትዕ አልዒሉ። ነዚ ክትዕ ንምውጋድ ኣባ ዋግነር ብገዛእ ፍቃዶም ንቅብአተ ጵጵስና ንምግዳፍ ናብ ቅዱስ ኣቦና ዘቅረብዎ ልመና ተቀባልነት ምርካብ ብሓደ ወገን ነቲ ጉዳይ ንምህዳእ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበረ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ ኣብ ኣሰራርሓ ቤተ ክርስትያን ግን ወጥሪ ፈጢሩ። በዚ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ቀንዲ ወከልቲ ብምዕዳም ምስ መሣርሕቶም ኩርያ ሮማና ብዛዕባ ኣገደስቲ ነገራት ካብ ዓይኒ ሰበኻ ዝኾነ ጉዳይ ኵስኰሳ ተመሃርቲ ዘርአ ክህነት ትምህርቲ ንባበ መለኮት ካህናት ምእመናን ወዘተ ብሕውነታዊ መንገዲ ተዛቲናሉ።” ብምባል ነቲ ዛዕባ ናይ ርክብ አብሪሆም።








All the contents on this site are copyrighted ©.