2009-06-16 15:38:24

ዓለም ሓቆፍ ናይ ኃልዮ መግቢ ቅዋም


ዓለም ሓቆፍ ናይ ኃልዮ መግቢ ቅዋም “እቲ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ነተን ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ድኻታት ሓገራት ከቢድ ጾር ኮይኑ ሕዝብታት ናብ ዝኸፍኤ ድኽነትን ስእነት መግብን ጥሜትን ይድርኽ ከምዘሎ፣ RealAudioMP3 ኣብ ኣርመኒያን ባንግላደሽን ጋናን ኒካራጉዋን ዛምቢያን መሠረት ገይሩ ቁጠባዊ ቅልውላውን ስእነት መግብን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ከምዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

መንግሥታት ዓለም ኣብ ናይ ማኅበራዊ ሓልዮትን ክንክንን ሚዛን ገንዘብ ክብ ክብሉን፣ እዅል ሃብቲ ገንዘብ ከዋፍሩ ከምዝግባእን፣ ኣቲ ሰነድ የተሓሳስብ። “ብዙሓት ሕዝብታት ድኻታት ሃገራት በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ዝተመጣጠነ መግቢ ዘይኮነስ ብሑሱር ዋጋ መግቢ ዕዲግካ ከብድኻ ንምምላእ ጥራሕ ኣብ ዝብል ውሳኔ ከምዝወደቑን፣ ደቆም ኣብ ክንዲ ናብ ቤትምህርቲ ናብ ሥራሕ ዓለም ከዋፍሩን፣ ንትምህርትን ንሕክምናን ዘውዕልዎ ዓቕሚ ኤኮኖሚ እናጎደለን፣ ብዙሓት ኣብ ዝማዕበላ ሓገራት ዝርከቡ ስደተይናታት ድኻታት ሃገራት፣ ቅድሚ እዚ ናይ ኤኮኖሚ ቅልውላው ንወለድታቶምን ቤተሰቦምን ይኣልዩ ከምዝነበሩን ሕጂ ግን ገዛእ ርእሶም እውን ኣብ ከቢድ ናይ ኤኮኖሚ ጸገም ከምዝርከቡ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሃልዮ መግቢ ቅዋም ዘውጽኦ ሰነድ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.