2009-06-16 15:22:11

ክህነታዊ ተልእኮ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብዛዕባ እንታይነት ምሥጢረ ክህነት ዘቕረብዎ ትምህርቲ ተመሊስና ክንርኢ ከሎና፣ ቅዱስነቶም ካህናት ፈላጣት ወይ ድማ ክኢላታት እግዚኣብሔር ኢዮም ቢሎም ከምዘጠቓለሉ ከነስተውዕል ንኽእል። RealAudioMP3

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ዓመታት ዘመን ጵጵስናኦም ብዙሕ ጊዜ ኣብ እዋንና መንነት ካህናት እንታይ ከምዝመስልን ከመይ ኪኸውን ከምዝግባእን ኣመልኪቶም ተዛሪቦምን ኣስተምሂሮምን ኣለዉ፣ ኣንተኾነ ግን እቲ ስሩዕን ዓሚቝን ኣስተንትኖ ምሥጢረ ክህነት ማእከል መንፈሳውነት ዓመተ ክህነት ከምዝኸውን ዓቢይ እምነት ኣሎ።

ዓመተ ክህነት ብዕልን ብወግዕን ዝጅምር ዝመጽእ ዓርቢ ኣብ በዓል ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ኣብ ባስሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘዕርግዎ ሥርዓታት ጸሎተ ሠርክ ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.