2009-06-16 15:35:08

ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ጉባኤ


ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ላ’ኣኲላ ኣብ ወርሒ ሓምለ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ጉባኤ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ምኽንያት፣ ናይ መላእ ዓለም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ፤ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ሞስኮ ብ2006 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኮሎኒያን/ጃፓን ከተማ ሳፖሮ ብ2007 ዓ.ም.ፈ. ዝተኻየዱ ኣኼባታት ካብ ሎሚ ክሳብ ጽባሕ የካይዱ ከምዘለዉ ተሓቢሩ RealAudioMP3 ። ብዛዕባ ናይ’ዚ ሎሚ ዝተጀመረ ናይ መላእ ዓለም ናይ ሃይማኖታት መራሕቲ ጉባኤ ብዝምልከት ኣብ ናይ ቫቲካን ረድዮ ማርኮኒ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንዝግበር ዘተ ዝኃሊ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪቸንዞ ፓሊያ ጋዜጥዊ መገልጺ ከምዝሓብሉ ተሓቢሩ።

እዚ 4ይ ጉባኤ ናይ መላእ ዓለም ናይ ሃይማኖት መራሕቲ “ሃይማኖታዊ ኣድማስ ናይ ምዕባለን ንናይ ኃባር ናብራን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሕዝብታት ናይ ሰላም መሠረት ኢዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ እማኔ ዘለዎ ጉባኤ ከምዝኾነን፣ ነቲ ጋዜጣዊ መገልጺ ዝመርሑ ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ ሓቢሮም። እዚ ብምትሕብባር ናይ ኢጣሊያ መንግሥቲ ኣብ ሮማ ኣብ ቪላ ማዳማ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዝካየድ ናይ መልእ ዓለም ሃይማኖት መራሕቲ ጉባኤ ንናይ ብሩህ መጻኢ ሕይወት መሠረት ነቲ ዘጋጠመ ሽግር ግምት ሂብካ ንዓኡ ንምብዳሕ ካብ እትፍጽሞ ጻዕሪ ኢዩ ዝብገሥ ምእንቲ’ዚ ተሳተፍቲ ጉባኤ ኣብቲ ዕለት 6 ሚያዝያ 2009 ዓ.ም.ፈ ብርዕደ መሬት ኣዚያ ዝተጠቕዔት ከተማ ላኣኵይላን ከምዝበጽሑን ነቲ ሕዝቢ ከምዘጸናንንዑን ገሊጾም።

እዚ ነቶም ናይ 8 ኣዚየን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት መራሕቲ “ሃይማኖታዊ ኣድማስ ናይ ምዕባለን ንናይ ሓባር ናብራን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሕዝብታት ናይ ሰላም መሠረት ኢዩ፣ ዝብልን ሓላፍነት ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ሥልጣን ደጋዊ ሥልጣን ዘይኮነስ፣ ኣብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ዘሎ ውሳጣዊ ኣድማስን፣ ኣብ ታሪኽ ዓቢ ተራ ዘለዎን ብዘይ መንፍነሳውን ሃይማኖታውን ሥልጣን ካልእ ዝኾነ ይዅን ሥልጣና ኣብ ሑጻ ከምዝተመሥረተ ገዛ ኢዩ” ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ናይ’ዚ ጉባኤ ተሳተፍቲ መራሕቲ ሃይማኖት ንመራሕቲ ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ዝዛረቡ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንገዛእ ርእሶም እውን ከምዝዛረቡን፣ እቲ ንኻልእ ዝብልዎ ንዝገዛእ ርእሶም እውን ከምዝደግምዎ” ብፁዕ ኣቡነ ፓሊያ ሓቢሮም። ናይ ኵለን ሃይማኖታት፣ ምእመናነን ተራሓሒቖምን ተፈላልዮምን ኣብ ጽልኢ ክንበር ከምዘይከኣል ዘረጋገጽ ምስትውዓል እናኻዕበቱ ኢዮም፣ እዚ ናይ ሃይማኖታት ኵላውነት ምዝንባል ድማ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ተኣምኖ ኢዩ ከምዝበሉን ዓለም ክትምዕብልን ክትጥዕን እንተድኣ ኮይኑ ነቲ ዝተጎድኤ ኣካላ ምሕዋይ ይግባእ ስለዚህ ጉዳይ ኣፍሪቃ በዚ እዩ ክግመት ዘለዎ” ቢሎም “እዚ ናይ ኵለን ሃይማንታት መራሕቲ ጉባኤ ነዞም ኣብ ልዕሊ ዝተገልጹ ዝድህስስ ኢዩ” ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.