2009-06-16 15:25:49

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ግሊ ሓኪም


ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቫቲካን ናይ ክንክን ጥዕና ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ምኽትል ኣመሓዳሪ ሓኪም ፓትሪዚዮ ፖሊስካ ናይ ግሊ ሓኪሞም ንኽኾኑ ከምዝሓረይዎም ተገሊጹ። ሓኪም ፓትሪዚዮ ፖሊስካ ነቶም ናይ ነፍሰ ኄር ር.ሊ.ጳ. ኣገግልጋሊ እግዚኣብሄር ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ንብዙሕ ዓመት ናይ ግሊ ሓኪም ኮይኖም ነዘገልገሉ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ሕክምና ሊቀ ጠቢባን ማለት ርዕሲ ሓካይም ልኂቅ ቢሎም ንዝሰመይዎም ሓኪም ቡዞነቲ ዝትክኡ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ይሕብር። RealAudioMP3








All the contents on this site are copyrighted ©.