2009-06-16 16:37:45

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሠርተ ሽዱሽተ ፀረ-ባርነትን ምዝመዛን ደቂ ሰባት ኃያል ቃልሲ ክካየድ አተሐሳሲቦም፡


ብሃገራት ሐቆፍ ማኅበር መነኲስያትን ስደተኛታትን ዝተዳለወ ዓለም ሐቆፍ ጉባኤ አብ ሮማ ከም ዝተጀመረ ኪምልከት ከሎ፡ እዚ ጉባኤ’ዚ ሰባት ብሰባት ዝግበር ዘሎ አካላውን ሥነ ልቦናውን ምዝመዛ ብዓለም ለኸ ደረጃ ንምግታእ መሠረተ ዓላማ ዘለዎ ጉባኤ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ አሎ።

መነኲስያት መላእ ዓለም ነዚ አብ ልዕሊ ሰባት ዝፍጸም ግፍዒ ንምግታእ፡ አብ ቤተ አኅዋት ክርስትያን ዘላሳል ሮማ ዝተጀመረ አኼባ ብምድጋፍ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቲ ጉባኤ ተለግራም ከም ዘተሐላለፉ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ። RealAudioMP3

ቅዱስ አቦና ነቲ ጉባኤ ዘተሐላለፍዎ ተለግራም ከም ዘመልክቶ፡ ሰባት ካብ ኩሉ ዓይነት ባርነትን ምዝመዛን ንምንጋፍን ነፃ ንምውጻእን ዓለም ለኸ መነኲስያት ጀሚሮንኦ ዘለዋ ሙያ ሕይወት ወዲ ሰብ ክቡር ምዃኑ መሠረታዊ መሰሉ ንምዕቃብ ዘተኮረ ስለ ዝኾነ ክድገፍ አለዎ ክምስገንን ክምጐስን ክአ ይግባእ።

ነቲ ዕጹው ጉባኤ ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ዝኸፈቱ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ስደተኛታትን ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተዘዋወረ ዝነብር ማኅበረ ሰብን ሓዋርያዊ ተኸናኻኒ ጳጳሳዊ ቤት ምኸሪ ሊቀመንበር ሊቀጳጳስ ብፁዕ አቡነ አንቶንዮ ማሪያ ቨልዮ ከም ዝኾኑ እቲ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

በቲ መግለጺ መሠረት፡ ብፁዕ አቡነ አንቶንዮ ማሪያ ቨልዮ፡ ነዚ መሠረታዊ መሰል ሰባት ዝግህስ አጸያፊ ግዝያዊ ባርነትን ንሰባት ከም ግዑዝ ጾታ ዝምልከትን ገበን፡ ብመሠረቱ ንምግታእ ሕይወተን ንእግዚአብሔር ዘወፈያ መነኲስያት ዝጀመርኦ ቅዱስ ዓላማ ንኢዶምን አድኒቆምን አበራታቲዖመንን ።

አብ ሐደ ኅብረተሰብ እዚ ዘሕፍር ገበን’ዚ ብናይ ማኅበረሰባት ሰበሥልጣን ክሽፈን ከም ዝርኤ ሊቀጳጳሳ ብፁዕ አቡነ አንቶንዮ ማሪያ ቨልዮ ጠቂሶም ቤተክርስትያን ነዚ ገበን’ዚ ብሸለልትነት ከም ዘይትሐልፎን አብ ጐድኒ’ቶም ግዳያት ከም ትቀውምን ከም ዘገንዘቡ ነቲ ዕጹው ጉባኤ ዝከታተል ዘሎ ምንጪ ዜና ቫቲካን ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

አብ ግረጎርያን ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲ መምህር ንባበ መለኮት ፕሮፈሶር ስተላ ሞራ ብድንቍርናን ሸለልትነትን ተኸዲኑ አብ ልዕሊ ሰባት ዝፈጸም ምዝመዛን ባርነትን ክግታእ ሕዝቢ ብዛዕባ’ዚ ገበን’ዚ ዝአክል አፍልጦ ክህልዎ ከም ዝግባእ ከም ዝገለጻ ክአ ተነጊሩ።

ዝሐለፈ ዓመት 2008 ወርሒ ሰነ ተመሳሳሊ ጉባኤ ከም ዝተኻየደን ብሐፈሻ ዓለም ለኸ ሃይማኖታትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን፡ ወኪላት ማኅበረሰባትን አብ ምግታእ ባርነትን ምዝመዛን ሰባት ብሓባር ደው ክብሉ ፡ መንግስታት ዓለም ክአ አብዚ ሽግር’ዚ ከድህቡን መልእክቲ ከም ዘተሐላላፈ ዝዝከር ኢዩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.