2009-06-15 09:01:44

ሱዳን፣ ዘይመንግሥታውያን ናይ ረድኤት ማኅበር


መንግሥቲ ሱዳን ዓለም ሓቆፍ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር ኦማር ኣል ባሺር ብምንፃት ዓሌት ገበን ከሲሱ ንፍርዲ ኽቐርቡ ውሳኔ ብምትሕልላፉ ምኽንያት ካብ ከባቢ ዳርፉርን ሱዳንን ዝሰጎገን RealAudioMP3 ዝተፈላለያ ዘይመንሥታውያን ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበራት ተመሊሰን ዝህበኦ ናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ክፍጽማ ከምዘፍቀደ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ሰብኣዊ ጉዳይ ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ጅሆን ሆልመስ ከምዝገለጹ ተሓቢሩ። እቲ ናይ ሱዳን መንግሥቲ ዝሃቦ ፍቓድ ነተን ተሰጒይገን ዝነበራ ናይ ግበረ ሰናይ ማኅበራት ጥራሕ ዘይኮነስ ንካልኦት ሓደስቲ ናይ ግበረ ሰናይ ማኅበራት ዝምልከት ምዃኑ ክንገረ እንከሎ ብዛዕባ እዚ ዝበሃል ዘሎ ዜና ካብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበራት ርእይቶ ከምዘይተውሃበ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.