Home Archivio
2009-06-15 09:01:44
ሱዳን፣ ዘይመንግሥታውያን ናይ ረድኤት ማኅበር
መንግሥቲ ሱዳን ዓለም ሓቆፍ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ብሔር ኦማር ኣል ባሺር ብምንፃት ዓሌት ገበን ከሲሱ ንፍርዲ ኽቐርቡ ውሳኔ ብምትሕልላፉ ምኽንያት ካብ ከባቢ ዳርፉርን ሱዳንን ዝሰጎገን
ዝተፈላለያ ዘይመንሥታውያን ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበራት ተመሊሰን ዝህበኦ ናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ክፍጽማ ከምዘፍቀደ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ሰብኣዊ ጉዳይ ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ጅሆን ሆልመስ ከምዝገለጹ ተሓቢሩ። እቲ ናይ ሱዳን መንግሥቲ ዝሃቦ ፍቓድ ነተን ተሰጒይገን ዝነበራ ናይ ግበረ ሰናይ ማኅበራት ጥራሕ ዘይኮነስ ንካልኦት ሓደስቲ ናይ ግበረ ሰናይ ማኅበራት ዝምልከት ምዃኑ ክንገረ እንከሎ ብዛዕባ እዚ ዝበሃል ዘሎ ዜና ካብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ግብረ ሠናይ ማኅበራት ርእይቶ ከምዘይተውሃበ ተገሊጹ።
All the contents on this site are copyrighted ©.