2009-06-15 08:57:31

ሃገራት ኣፍሪቃ፣


ሓገዝ ንሃገራት ኣፍሪቃ፣ ረድኤት ማኅበር ቅዱስ ፍራንቸስኮስ

ኣብ ኢጣሊያ ኣሲዚ ከተማ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ናይ ፍቕሪ ሥራሕ መንፈስ ዘንቀሎ ድላይ መሠረት ኣብ ኬኒያን ዚምባብዌን ንመንእሰያት ኣዴታትን ደቀንን ንምድጋፍ ዝሓቀነ መደብ ሕንጸትን ደገፍን ንምርግጋጽ ዝኽእል ወፈራ ምውፃእ ገንዘብ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ። RealAudioMP3

ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ቤተ መቕደስ ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ ኣባ ኤንዞ ፎርቱናቶ “በብቢ ዓመቱ ናይ ኣሲዚ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ካሪታስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ደገፍን ሓገዝን መደብ ደገፉ ዝቕርበለን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝሓርን” ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም። “ለብዘበን ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ማኅበር ካብ ዝምሥረት 800 ዓመት ከብዕል ምኻኑ ሓቢሮም እዚ ድማ ነቲ ብናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ናይ ረድኤት ማኅበር ንዝፍጸሙ መደባት ፍልዩ ይገብሮ” ኢሎም።



ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ንግዲ መድረኽ ብቕዓታ ንምሕያል RealAudioMP3

ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ንግዲ መድረኽ ብብቕዓት ንኽትዋሳእ ዘኽእላ ናይ ትሕቲ ቅርጺ ሕዳሴ ከምዘድልያን፣ እዚ ንምፍፃም ድማ 80 ሚሊያርድ ዶላር ከምዘድሊ ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ባንኪ ቤት ንጉዳይ ኣፍሪቃ ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ሓላፊት ኦቢየጀሊ ካትርይን ኤዘክወዚሊ ከምዝገለፃ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

“እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዋፈር ዝነበረ ናይ ወፃኢ ርእሰ ማል ክጎድል ከምዝገበረን” ኣመልኪተን፣ “ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ሓድሽ ወለዶ ሓይልን ብቕዓትን ሕንጸት ናይ ገንዘብን ናይ ፖሊቲካን ድላይ ምውፋር የድሊ”፣ ቢለን “ሓገራት ኣፍሪቃ እቲ ካብ ናይ ቀረጽ ኤኮኖሚ ዝረኽበኦ ናይ ገንዘብ ሃብቲ ኣብ ግቡእን ትኽክለይና ስሉጥ ውጽኢት ኣብ ዘለዎ ሓገራዊ ጉዳይ ከውዕለኦን፣ ሃብቲ ሓገር ንናይ ጥቕሚ ሃገር ክውዕል ከምዘተሓሳሰባ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ሓገራት ኣፍሪቃ እቲ ዝወሃበን ናይ ገንዘብ ሓገዝን ስደተይና ዜጋታተን ናብ ሃገሮም ዝመሓላልፍዎ መዋዕለ ንዋይ ንናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘማዕብልን ንብሩህ ናይ መፃኢ ዕድል ዝድግፍ ክኸውን” እተሓሳሲበን፣ “ንኣፍሪካ ንድሕሪ ዝጎታ ኣድልዎን ምብኻንን ምግባረ ብልሽውና ዝኣመሰሉ ካልኦት ዕንቅፋት ምዕባለን ጸረ ሰብኣውን ተግባራት ክውገዱ ድላይ ፖለቲካ መንግሥታትን ሕዝብታት ኣፍሪቃ ክኸውን ይግባእ” ከምዝበላ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.