2009-06-11 20:49:11

እምነትን ፍልጠትን ክሰማማዕ ኣለዎ፣ ጆን ስኮቱስ ኤሪጂና


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ሮቡዕ “እምነትን ፍልጠትን ካብ ትኽክል ዝኾነ መለኮታዊ ምንጪ ስለዝኾኑ፣ ፍልጠት ፈጺሙ ንሓቂ ዝጻረር ክኸውን ኣይግባእን” ዚብል ትሕዝቶ ዘለዎ ኣስተምህሮ ዘቅረቡ፣ ኣብ ጆን ስኮቱስ ኤሪጀና ዚበሃል ኣብ ታሽዓይ ዘመን ክርስትና ዚነብር ዝነበረ ክርስትያን ጸሓፍን ተመራማርን ተመስሪቶም እዮም። RealAudioMP3
ቅዱስነቶም ትማሊ ኣብ ዘቅረብዎ ጉባኤ ኣስተምህሮ ዓሠርተ ሓሙሽተ ሺሕ ዚግመቱ መንፈሳውያን በጻሕቲ ከምዝተሳተፉ ተመልኪቱ። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ኤሪጀናስ ብዛዕባ እምነት ዘስተምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ ዘኪሮም፣ ንሱ “ንሕና ብዛዕባ እግዚኣብሔር ባዕላትና ፈጢርና ወይ ድማ ምሂዝና ክንዛረብ ኣይንክእልን፣ እንታይ ደአ እቲ እግዚኣብሔር ባዕሉ ብዛዕባ ርእሱ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብ ዚብሎ ተበጊስና ኢና እንዛረብ። ሓቂ ጥራይ ከምዝዛረብ ብምርዳእ ከአ እምነትን ፍልጠትን ፈጺሞም ኣንጻር ክኾኑ ኣይግባእን ብምባል ይአምን ነበረ። ብኸምዚ ድማ ሓቐኛ እምነትን ሓቐኛ ፍልስፍናን (ፍልጠትን) ይጋጠሙ ወይ ድማ ይሰማምዑ፣ ዝብል ሓቂ የስተምህር ነበረ።








All the contents on this site are copyrighted ©.