Home Archivio
2009-06-09 17:10:24
ጉዳይ ካቶሊካዊ ተቛም ኣብ እስራኤል
ኣብ እስራኤል ሓደ ናይ ካቶሊክ ተቛም ኣብ ባንኪ ዝነበሮ ቅሙጥ ናይ ገንዘብ ሃብቲ ንከየንቀሳቀስ ተኸልኪሉ ከምዝነበረ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ባንኪ ቤት ወሲድዎ ዝነበረ ስጕምቲ “ብጌጋ ምዃኑ፣ እቲ ጌጋ ካብ ዘይምርድዳእ ዝነቐለ ቴኪናዊ ጉዳይ ምዃኑ” ትማሊ ናይ እስራኤል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ሓፈሻዊ መገልጺ ከምዝሃበሉ ተገሊጹ።
እቲ ውሳኔ ብጌጋ ከምዝነበረ ዝሓበሩ ናይ እስራኤል ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ወሃቢ ቃል፣ እቲ “ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ካቶሊክ ተቋም ተወሲዱ ዝነበረ ስጕምቲ ብዘይ ናይ ፖሊቲካ ፍቓድ ብናይ ባንኪ ቤት ናይ ውሽጢ ኣሰራርሓ መሠረት ዝተወሰደ ኢዩ ኔሩ” ከምዝበሉ ኣንሳ ናይ ዜና ኣገልግሎት ካብ ዝሃቦ ምንጪ ዜና ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኣብ እስራኤል ናይ ቅድስቲ መንበር ውኪል ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ፍራንኮ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ “እቲ ስጕምንቲ ንኽውሰድ ዘገድድ ምኽንያት ስለ ዘይነበረ፣ ዘሰንብድ ኣይነበረን” ቢሎም “እዚ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን እስራኤልን ብዛዕባ ክፍሊት ቀረጽ ዝምልከት ዝካይድ ዘተ ዝቕጽል ምዃኑ” ሓቢሮም፣ ቀጺሎም “እቲ ሎሚ ክካየድ ተባሂሉ ዝነበረ ክልተኣዊ ዘተ፣ ብዛዕባ ክፍሊት ቀረጽ ዝምልከት ኣገዳሲ ናይ ሓባር ዘተ ብዘይ ምክያዱ ምኽንያት ከምዘይተኻየደ” ኣፍሊጦም።
All the contents on this site are copyrighted ©.