2009-06-09 17:16:15

ናይ ሊባኖስ ሕዝባዊ መረጻ


ኣብ ሊባኖስ ቅድሚ ትማሊ ተኻይዱ ዝነበረ ሕዝባዊ መረጻ፣ እቲ ናይ ምዕራባውያን ሥርዓት ፖለትካ ዘንጸባርቕ “ግንቦት 14” እተሰምየ ብወዲ በቶም ዕለት 14 የካቲት 2005 ዓ.ም.ፈ ዝተቐትሉ መርኄ መንግሥት ራፊቅ ዝምራሕ ሥሙር ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ካብቲ 128 ናይ ፓርላማ ወንበር 71 ወንበር ከምዝተዓወተ ተገሊጹ።

ድሕሪ እቲ ውጽኢት ናይቲ ሕዝባዊ መረጻ ብዕሊ ምስተፈልጠ፣ ተዓዋቲ ሳዓድ ሓሪሪ በቲ ዝተኻይደ ምርጫ፣ ኣብ ሊባኖስ ዴሞክራሲ ከም እተዓወተ እምበር፣ ሰዓሪ ኮነ ተሳዓሪ ዝበሃል የሎን” ከምዝበሉ ተሓቢሩ። እቲ ዝተኻይደ ምርጫ ብቐረባ ዝተኸታተሎ ናይ ሊባኖስ ግልጽነት ሕዝባዊ መረጻ ተዓዛቢ ማኅበር 2500 ተዕዘብቲ ብምውፋር ከምእተኻታተሎ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ዝተኻየደ ምርጫ ዘይሕጋውን፣ ድምጺ ብገንዘብ ዝተገዝኣሉን ብዛዕባ እዚ ድማ መራኸቢ ብዙኃን ግቡእ ሓበሬታ ብዘይምሃበን ዓመጽ ከምዝፈጸማን ጠቂሱ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉድለታት ከምእተራእየ ሓቢሩ። ናይቲ ምርጫ ውጽኢት ብዕሊ’ኳ እተተገልጸ ናይ ሊባኖስ ፖሊቲካዊ ጉዳይ ብሓፈሻኡ ዘለዎ ሽግር ክፍታሕ ከምዘለዎ ብርቱዕ ምስትውዓል ዝሓትት እዋን ምዃኑ ይንገር።

ብዛዕባ እዚ ዝተኻይደ ሕዝባዊ መረጻን ውጽኢቱን ኣመልኪቶም ምስ ረድዮ ቫቲካን ቃለ ምልልስ ዝገበሩ ኣብ ባይብሎስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በቻራ ራይ፣ “ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ሰላም ኣጽዋር ዝተዓጥቀ ኢዩ፣ ሊባኖስ ከም ምዕራብ ሃገራት ኣይኮነትን፣ እዚ ድማ ኣብ ሎባኖስ ዘሎ ፖሊቲካ ምስ ማኅበረሰብ ሃይማኖታት ዝተኣሳሰረ ኢዩ። ኣቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ መረጻን ውጽኢቱን ነዛ ሃገር ኣወንታዊ ኢዩ። ዓቢ ሽግር ክመጽእ እውን ዝከኣል ኢዩ ኔሩ፣ ስለዚ እዛ ሓገር ብዅሉ መዳያት ንቕድሚት ክትስጉም እንተድኣ ኮይኑ ሊባኖሳውያን ኣብ ገዛእ ርእሶም እምነት ከሕድሩን ንሓድ ሕዶም እውን ክተኣማመኑን ይግባእ” ኢሎም። ኣብ መደምደምታ ናይቲ ቃለ ምልልስ፣ “ሽግር ናይ ሊባኖስ ውሽጣዊ መንቀሊ ዘለዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ግዳማዊ እውን ኢዩ፣ ስለዚህ ብሔራዊ፣ ክፍለ ዓለማውን ዓለም ሓቆፋውን ተንከፍ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ” ከምዝበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.