2009-06-09 17:30:25

ቅድስት ሥላሴ፦ ብዘይምቍራጽ ንርእሱ ዝህብ ዘይውዳእ ምንጪ ሕይወት ኢዩ።


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝሓለፈ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ካብ መስኮት ሓዋርያዊ ኣደራሽ ምስ ኣብ ቅርዓት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተአከቡ ምእመናን ጸሎተ ሥርዓተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምጽላዮም፤ ዕለቱ ላቲናዊ ሥርዓት ኣብ እትኽተል ቤተ ክርስትያን በዓል ቅድስት ሥላሴ ከምዝኾነ ብምዝካር፦ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምስ ገዛእ ርእሱ ብጥንተ መሠረቱ ማኅተም ቅድስት ሥላሴ ዝተኃትመን ናብ ፍቅሩ ዝዘንበለን ኢዩ።” ኪብሉ መልእኽቶም ኣመሓላለፉ። RealAudioMP3








All the contents on this site are copyrighted ©.