2009-06-06 10:52:03

ጳጳሳት ቨነጹወላ አብ ቫቲካን ሓዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ አለዉ፡


አብ ላቲን አመሪካ ናይ ቨነጹወላ ጳጳሳት አብ ቫቲካን ቪሲታ አድ ሊሚና ማለት፡ ሓዋርያዊ ምብጻሕ የካይዱ ከም ዘለዉ ይምልከት። ካቶሊካውያን ጳጳሳት አብ ሓሙሽተ ዓመት ሓደ ግዜ መቃብራት ቅዱሳን ጰጥሮሰ -ጳውሎስ ከም ዝሳለሙን፡ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተራኺቦም ኩነታት አብያተ ክርስትያናቶም ብዚምልከት ከም ዝዝትዩን ይምልከት።

ሕዝቢ ቨነጹወላ ዕስራን ሸውዓተን ሚልዮን ከም ዝኾነ ክዝከር ከሎ፡ ተስዓን ክልተን ነጥቢ ሸውዓተ ካብ ሚእቲ ካቶሊካዊ እምነት ከም ዝኽተል ይፍለጥ ።

አብ ቨነጹወላ ናይ ርእሰ ከተማ ካራካስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኾርኸ ኡሮሳ ሳቪኖ ከም ዘመልከትዎ፡ ጳጳሳት ቨነጹወላ ንመንፈሳውን ሞራላውን ትንሣኤ ሃገር ይሰርሑ አለዉ።

ጳጳሳት ቨነጹወላ አብቲ አብ ብራዚል አብ አፓረሲዳ ዝተኻየደ ናይ ላቲን አመሪካን ካራይብን ሐፈሻዊ ጉባኤ ጳጳሳት ዘሕለፎ ሰነድ ተመሪኲሶም፡ ስብከተ ቅዱስ ወንጌል ቤተክርስትያን ንመንእሰያት እተካይድ ከም ዘላ ጠቂሶም ስድራ ቤታት ቨነጹወላ ዘለዎም በብዓይነቱ ሽግራት አብ ምፍታሕ ተጸሚዳ ከም ዘላ ክአ ብፁዕ ካርዲናል ሳቪኖ መግለጺ ሂቦም።

አብ ቨነጹወላ ለውጢ ማኅበራዊ ኤኮኖምያውን ፖሊቲካውን ጉዕዞ ይካየድ ከም ዘሎ ጠቂሶም ክአ ቤተክርስትያን፡ ሐድነትን እምነትን ህዝቢ ቨነጹወላ ንምዕቃብን ሕዝቢ ምእንቲ ከይደናገርን መልእኽቲ ክርስቶስ ካብ ምዝርጋሕ ከም ዘይዓረፈት አገንዚቦም።

ማኅበራዊ ሰላምን ዲሞክራስያዊ ሕይወት ሃገርን ዝጻብኡ ንምግታእ ሕዝቢ ብሰላም ምእንቲ ክነብርን ክረጋጋእን መንፈሳዊ ኃይሊ ከም ዘድልዮ ዘመልከቱ፡ ናይ ቨነጹወላ ናይ ካራካስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኾርኸ ሳቪኖ፡ ጳጳሳት በብግዚኡ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ንህዝቢ ከም ዝዝርግሑ ሐበሬታ ሂቦም አለዉ።

አብ ቨነጹወላ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ንምግታእ ስሕት ኢሉ ዝቅልቀል መኻልፍ ቤትክርስትያን ከም ትምክቶን ነጻነታ ንምዕቃብ እተካይዶ ጻዕርን አብ ቦታኡ ከም ዘሎን ክአ ብፁዕ ካርዲናል ኾርኽ ሳቪኖ አመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.