2009-06-06 14:02:14

ጊኒ ቢሳው


ዕለት 28 ሰነ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ጊኒ ቢሳዊ ሕዝባዊ መረጻ ክካየድ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ ንሕዝባዊ መረጻ ዘሰንይ ሕጹያት ተመረጽቲ ናይ ምረጹኒ ጐስጓስ ዘካይድሉ ዘለውሉ እዋን ኣዚዩ ዝተዋጠረ ዓመጽን ምፍሳስ ደምን ዝመልኦ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ነዛ ሃገር ንዕሥራን ሠለስተን ዓመት ዝመርሑ ርዕሰ ብሔር ጆዋው ቤርናርዶ ቪየይራ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 2009 ዓ.ም.ፈ. ከምእተቐሉ ክዝከር እንከሎ፣ ናይ’ቲ ኣብ’ዛ ሃገር ናብ’ቲ ናይ ሕዝባዊ መረጻ ከሰኒ ናይ ዝተመዘ መንግሥቲ ሚኒስትርን ኣብ’ቲ ንዕለት 28 ሰነ 2009 ዓ.ም.ፈ ርዕሰ ብሔር ንምዃኑ ሕጹይ ኮይኖም ንዝቐርቡ ባቺሮ ዳቦ ትማሊ ብዕጡቓት ሰባት ከምእተቐሉ ተገሊጹ። ናይ ጊኒ ቢሳው ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. ቤት ጽሕፈት ከምዝሕበሮ፣ ባቺሮ ዳቦው ናይ’ቲ ገዛእ ርእሱ ምኽበር ሥርዓት ቅዋምን ዴሞክራስን ዝሓሊ ናይ ሬፓብሊክ ላዕለዋይ ሓይሊ ቢሉ ዝጽዋዕ ንኽፍጽሞ ናይ ዝሓቀኖ ዕልዋ መንግሥቲ ወጣኒ ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.