2009-06-06 13:45:31

ንናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ዝተዋህበ ሓዲሽን ተወሳኽን ናይ ሥልጣን ኃላፍነት


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 30 ጥሪ 2009 ዓ.ም.ፈ. ንናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ዝሓብዎ ተወሳኺ ሓድሽ ናይ ሓላፍነት ሥልጣን ዝገልጽ መልእኽቲ፣ ኣብ ኩለን ሃገራት ንዝርከባ ሰበኻታት ክግለጽ መታን ናብ ኩለን ሃገራት ንዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪላት ከምዘመሓላለፉዎ ይንገር።

ብዛዕባ’ዚ ንናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ዝተዋህበ ሓዲሽን ተወሳኽን ናይ ሥልጣን ኃላፍነት ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ዝተፈላለያ ናይ መራኸቢ ብዙኀን ዝተዛረባሉን ዝተፈላለዩ ርእይቶ ዝሃባሉን ጉዳይ ኣመልኪቶም፣ ናይዚ ቅዱስ ማኅበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማውሮ ፒያቸንዛ ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ፦ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር፣ ናይ ካህናት ሥነ ሥርዓት ዝከታተልን ኣብ ልዕሊ እቶም ካብቲ ጸዋዕታ ከሰናኽሎም ዝኽእል ተግባር ዝፍጽሙን ንምእመናን እንቅፋት ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ካኅናት እንታይ ዓይነት ውሳኔ ክውሰድ ከምዘለዎን ዝገለጽን፣ እዚ ቅዱስ ማኅበር ነቲ ውሳኔ ብቐጥታ ኣብ ክግብሪ ከውዕሎን ክብይንን ዘኽእሎ ሓላፍነት ኢዩ፣ እዚ ሕጋዊ ሥልጣን’ዚ ናይቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕገ ቀኖና መቐጸልታን ምሳኡ ዝሰማማዕ ኢዩ። ናይ ሰበኻታት ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ካህናቶም ሥነ ሥርዓትን ኣብ ሓላፍነቶም ዘለዎም ተኣማንነትን፣ ናይ ዝተቐበልዎ ጸዋዕታ ግቡእ ሓላፍነት ከኽብሩን፣ ብሓጺሩ ጸዋዕታ ክህነት ዝሓቶ ሥርዓት ኽኽበር ክመርሑ ከምዘለዎ የተሓሳስብ። ካብ ሥርዓት ወጻኢ ኮይኑ ኣብ ዝርከብ ካኅን ክውሰዱ ዝግብኦም ውሳኔታት ዘመልክት ሰነድ ኢዩ። ናይ ሰበኻታት ብፁዓን ጳጳሳት ካኅናቶም ግብኦም ክፍጽሙ ጥራሕ ዘይኮነስ መሰሎም እውን ክሕለወሎም ብቐረባ እናተኸታተሉን እናመርሑን ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ዝዕድም ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ሳሉስ ኣኒማሩም ማለት መሠረታዊ መምርሒ ናይቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ልዑል ሕጊ መሠረት ገይሮም ነዚ ናይ ካህናት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ዝሃብዎ ሓድሽ ናይ ሥልጣን ሓላፍነት ኢዩ።

እዚ ቅዱስ ማኅበር’ዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ጸዋዕታኦም ወጻኢ ኮይኖም ኣብ ዝርከቡ ካህናት ብቐጥታ ማለት ነኣሽቱን ዓበይት ብይናት ክወስድ ዘኽእሎ ምዃኑ ኣረዲኦም። ክሳብ ካብ ናይ ክህነት ኃላፍነት ናይ ምውራድ ውሳኔ ክወስድ እውን ዘኽእሎን፣ ከምቲ ዝጸንሔ እውን ናይ ካህን ናይ ምክልኻል መሰሉ ዘኽብር ኢዩ።

እዚ ናይ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ’ዚ ናይ ካህን ጸዋዕታን ክህነትን ዘኽብርን ዓቢይ ትርጉሙ ዝገልጽን ዝሕሉን፣ ካህን ኣብ ክህነቱ ንኽርስቶስ ዝውክል ጓሳ ኢዩ፣ ስለዚ ካህናት ህላዌ ክርስቶስ ዝገልጹን ዝቕጽሉን ናይ ክርስቶስን ኣብ ናይ ክርስቶስን ግብረ ተልእኮ ዝሳተፉን ነቲ ርእሲ ቤተ ክርስትያንን መርዓዊ ቤተ ክርስትያንን ዝኾነ ክርስቶስ ዝውክል ኢዩ። እዚ ናይ ስነ ቤተክርስትያን ሚስጢር እዚ እንተድኣ ተረዲእናዮ፣ ናይ ካህን መንፈሳውን ሰብኣውን ኃላፍነቱ ዓቢይን ዓሚዩቕን ምዃኑ ኢና ነስተውዕል። ስለዚህ ነዚ ዓይነት ሱታፌ ኣብ ዝነብሩ ጽዉዓት፣ ቤተ ክርስትያን ዘለዋ ኃላፍነት ቀሊል ኣይኮነን። ምእንቲ’ዚ እቶም ናይ ላቲን ሕገ ቀኖና ዝኽተሉ ብነጻነት ንዝመርጽዎ ቀዋሚ ናይ ድንግልና ሕይወት ንኽነብሩ ትሑዛት ኢዩም። ቤት ክርስትያን ሚስጢር ድንግልና እትዕቅብ ምእንቲ ርእሳን ምእንቲ ዓለምን ኢዩ። ብፁዓን ኣቡናት ናይዚ ዝተገልጸ ምስጢረ ክህነት ክኽበር ብኣባታዊ ሓዋርያዊ ፍቕሪ ካህናቶም እናሓብሓቡን ኣናመርሑን ካህናት ክህነቶም ንኽነብሩን ሥርዓት ክህነት ክሕልዉን ካብ መሪሕ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ዝነቐለ ስነ ቤተ ክርስትያናዊ ሥነ ሥርዓት ክሕልዉን ከኽብሩን ናይቲ ብክርስቶስ ዝተገልጸ መለኮታዊ ምሕረት እግዚኣብሔር መሠረት ወትሩ ብዘይ ክርስቶስ ካብ ዝንበር ሕይወት ክዕቀቡ ዝመርሑን ዝገንሑን ውሳኔ ዝወስዱን ኢዩም ቢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.