Home Archivio
2009-06-04 16:18:56
ዓልቃዒዳ ኣብ ከባቢ መግረብ
ኒጀርን ማሊን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ሠለስተ ናይ ኣርባዕተ ኤዉሮጳዉያን ዜጋታታ በጻሕቲ፣ በቶም ኣብ መግረብ ከባቢ ናይ ዓልቃዒዳ ሓይሊ ሽበራ ተጨውዮም ካብ ዝነበሩ እቶም ዜጋ ዓባይ ብሪጣኒያ በቶም ኣሸበርቲ ከምእተቐትሉ ተሓቢሩ።
እቶም ካልኦት ተጨውየን ዝነበራ ክልተ ደቀ ኣንስትዮ ብዝሓለፈ ሚያዝያ ናጻ ከምእተለቕቃ ዝዝከር እዩ። ናይ ዓባይ ብሪጣኒያ መራኄ መንግሥቲ ጎርዶን ብራውን እቲ ዝተፈጸመ ናይ መቕተልቲ ተግባር ዓባይ ብሪጣኒያ ንናይ ኣሸበርቲ ድላይ ከምዘይትምብርከኽ ሓይሊ ኢዩ ዝኾና ከምዝበሉ ተሓቢሩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.