2009-06-04 16:18:56

ዓልቃዒዳ ኣብ ከባቢ መግረብ


ኒጀርን ማሊን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ሠለስተ ናይ ኣርባዕተ ኤዉሮጳዉያን ዜጋታታ በጻሕቲ፣ በቶም ኣብ መግረብ ከባቢ ናይ ዓልቃዒዳ ሓይሊ ሽበራ ተጨውዮም ካብ ዝነበሩ እቶም ዜጋ ዓባይ ብሪጣኒያ በቶም ኣሸበርቲ ከምእተቐትሉ ተሓቢሩ። RealAudioMP3 እቶም ካልኦት ተጨውየን ዝነበራ ክልተ ደቀ ኣንስትዮ ብዝሓለፈ ሚያዝያ ናጻ ከምእተለቕቃ ዝዝከር እዩ። ናይ ዓባይ ብሪጣኒያ መራኄ መንግሥቲ ጎርዶን ብራውን እቲ ዝተፈጸመ ናይ መቕተልቲ ተግባር ዓባይ ብሪጣኒያ ንናይ ኣሸበርቲ ድላይ ከምዘይትምብርከኽ ሓይሊ ኢዩ ዝኾና ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.