2009-06-04 16:24:53

ኣብ ሱዳን ናይ ጁባ ሊቀ ጳጳሳት


RealAudioMP3 ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝሓለፈ ሰንበት በዓለ ጰራቅሊጦስ ከምዘብዓለት ይዝከር። በዚ በዓል’ዚ ምኽንያት ኣብ ሱዳን ናይ ጁባ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፓውሊኖ ሉኩዱ ሎሮ ኣብ ሱዳን “ሰላም ንኽረጋገጽ ተቐባልነት ዘለዎ ናይ ሰላም ስምምዕ ሰነድ ኣብ ምንዳፍ ቤተ ክርስትያን ዘበርከተቶ ተራ ዘኪሮም፣ ኩለን ሓይማኖታትን ኣቢያተ ክርስትያናትን ናይ ኩለን ሃይማኖታት ምእመናን ሰላም ኣብ ምሕናጽን ኣብ ምክንኻናን ክተግሁ” ሓደራ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ሉኩዱ ሎሮ ብበዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ “እቲ ናይ ሰላም ሰነድ መሠረት ዝገበረ ኣብ 2005 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ናይሮቢ ናይ ሱዳን ኃይሊ ምክልኻል ላዕለዎት ሓለፍትን ናይ ሱዳን ምንቅስቃስ ሕዝባዊ ናይ ነጻነት ግንባርን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሰላም ዘተ ብምስምማዕ ነቲ ንሱዳን ንዕሥራ ዓመት ዘድመየ ናይ ሕድ ሕድ ውግእ ደው ክብል ከምዝገበረ ዘኪሮም፣ እቲ ስምምዕ ሕዝቢ ምእንቲ ሰላም ከይተሓለለ ነዘቕረቦ ጸሎት ካብ እግዚኣብሔር ዝተወሃውቦ መልሲ ኢዩ” ኢሎም። ሰላም ካብ እግዚኣብሔርን ጸጋ እግዚኣብሔርን ከምዝኾነ ድማ ሃቢሮም እቲ ስምምዕ ከይጥሓስ ሕዝቢ እውን ክተሓባበር” ሓደራ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ብፁዕነቶም ቀጺሎም እቲ ኣብ ከባቢ ናይልን ባህር ኤል ጋዛል ኣባላት ናይ ጌታ ሠራዊት ምንቅስቃስ ዓማጽያን ዝፈጸመዎ ዓመጽ ኮኒኖም፣ እዚ ኃይሊ ዓማጽያን ህጻናት ምብራቓዊ ጁባ እናጨወዩ ኣባላት ደባይ ተዋጋእቲ እናገበሩ ዝፍጽምዎ ኢሰብኣዊ ተግባር እውን ኮኒኖም፣ ቀጺሎም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ባሪን ሙንዳሪን ዝተራእየ ናይ ሕድ ሕድ ግጭት ዘደንጽው ኢዩ ቢሎም፣ ናይዘን ክልተ ከባቢ ማሕበረሰብ ዝነበረ ናይ ሓባር ስምምዕ ንቡር ስምምዕ ከይቅሕም ሓደራ ከምዝበሉ ተሓቢሩ። እቶም ዓመጽን ውጥረትን ዘለዓዕሉ ጸረ ሰላም ከምዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ሉኩዱ ሎሮ ኣብቲ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝገለጹ ተፈሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.