2009-06-04 15:08:54

ብፁዕ አቡነ ዚሞውስኪ አብ ጉባኤ ሐለዋ ጥዕና ተረኺቦም


አብ ቅድስቲ መንበር ንሐለዋ ጥዕና ዝምልከት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ዚግሙንት ዚሞውስኪ አብቲ አብ ስዊትጸርላን አብ ጀነቭ ዝኻየድ ጉባኤ ዓለም ለኸ ሐለዋ ጥዕና ከም ዝተሳተፉ ክምልከት ከሎ ፡ አብቲ ጉባኤ ተረኺቦም ከም ዝገለጽዎ ፡ አገልግሎት ሐለዋ ጥዕና ሚዛን ዝሐለው ከም ዘይኮነን አብ ምምዕባል ዝርከባ ሀገራት ዝርከብ ሕዝቢ ግቡእ ክንክን ጥዕና ይረክብ ከም ዘየሎን ከም ዝገለጹ ካብ’ቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

ዓለም ለኻዊ ሐለዋ ጥዕና አብ ድኻታት ሃገራት ዝርከብ ሕዝቢ ፍትሓዊ ክንክን ጥዕና ይረክብ ከም ዘየሎን ዓበይቲ ኩባንያታት ፋርማሲ አብ ሳልሳይ ዓለም ከይተረፈ አብ መኽሰብ ከድህቡ ከም ዝረአዩን፣ እዚ ተወጊዱ እቲ ብ ጥሜት ዝሳቀ ዘሎ ሕዝቢ እንተውሐደ ግቡእ ሕክምና ክረኽበሉ ዘኽእሎ ኲነታት ክድለን ክረክብን ብፁዕ አቡነ ዚግሙንት ዚሞውስኪ ከም ዘተሓሳሰቡ እዚ ካብ ጀነቭ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

በቲ ዜና መሠረት ፡ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሓዋርያዊ ቤት ምኽሪ ክንክን ጥዕና ሊቀ መንበር ብፁዕ አቡነ ዚግሙንት ዚሞውስኪ ነቲ ጉባኤ ዓለም ለኸ ሓለዋ ጥዕና ከም ዘመልከትዎ ፡ አብ ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ማለት አብ ምምዕባል ዝርከባን ድሕሪት ዝተረፋን ሃገራት ብምኽንያት ብዓለም ለኸ ቅልውላው ኤኮኖሚ ፈውሲ ክንፈጋ የብለንን ወይ ክአ ፈውሲ ብምኽባር አብ ሽግር ክወድቃ ከም ዘይግባእ ጠቂሶም ፡ ሕዝቢ ናይ’ዘን ሃገራት እዚአተን ፡ብቀሊሉ ክፍወስ ብዝኽእል ሕማምን ብተገላገብቲ ሕማማትን ይሳቀ ከም ዘሎ አገንዚቦም።

ናይ’ተን ሃገራት ትሕዝቶ ሐለዋ ጥዕና ክመሓየሽን ንሕዝበን እኹልን ማዕርነት ዘለዎን ሕክምና ከቅርባ ሐዲሽ ስትራተጂ ክንደፍን ከም ዘተሐሳሰቡን ክአ ተነጊሩ።

ሕፃናት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም አብ ሐሙሻይ ዓመት ዕድሚኦም ሰአን ክንክን ሐለዋ ጥዕና ከም ዝሞቱን እዚ ንዓለም ለኸ ሐለዋ ጥዕና ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘተሐሳሰቦን አብ መላእ ዓለም ሚዛናዊ ክንክን ጥዕና ንኹሉ ክባጻሕ ከም ዝግባእን ክአ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሓዋርያዊ ክንክን ጥዕና ቤት ምኸሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ አቡነ ዚግሙንት ዚሞውስኪ ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.