2009-06-04 16:50:52

ራባኑስ ማውሮ


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ኣደባባይ ባዚልካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንብዙሓት ምእመናን ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ሮቡዓዊ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ዓበይቲ ክርስቲያን ጸሓፍቲ ምዕራብን ምብራቕን ብተኸታታሊ ዝህብዎ ዘለዉ ኣስተምህሮ ብምቕጻል ብዛዕባ ራባኑስ ማውሮ ዝበሃል ገዳማዊ ፈላሲ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ሃቡ። RealAudioMP3

ራባኑስ ማውሮ ብ780 ዓ.ም ኣብ ሞጎንዛ ዝበሃል ቁሸት ምዕራብ ጀርመን ተወልደ፣ ገና መንእሰይ ከሎ ድማ ናብ ገዳም ኣትዩ ኣበምኔት ናይቲ ፉልዳ ዝበሃል ዉሩይ ገዳም ጸኒሑ ከኣ ሊቀ ጳጳሳት ማጎንዛን ለባም ኣማኻሪ ልዑል ካሮሊንጋን ኮይኑ ዓቢይ ጥቕሚ ዘለዎ ትምህርቲ ሊጡርጊያን ኣስተንትኖን ግጥምታት ቅኔን ጽሑፋትን ድርሰታትን ኣበርከተ።

ራባኑስ ማውሮ ኣስተንትኖን ናይ ሒሊና ምርመራን ዘይገብር ሰብ ንርእሱ ካብ ብርሃን ኣምላኽ ስለ ዝኽውል ምሥጢር ኣምላኽ ኣይፈልጥን፣ ምእንት’ዚ ኣብዛ ዕግርግርን ህውከትን ዝመልኣ ዓለም ኣብ እዋን ሥራሕ ይኹን ኣብ እዋን ዕረፍቲ ሰብ ንፈጣሪኡ ዝኸውን ሓፂር ጊዜ ክህልዎ ይግባእ፡ ኣስተንትኖን ሓፀርቲ ናይ ሓሳብ ጸሎታትን ብምግባር ንሕይወትና ናብ እግዚኣብሔር ክንከፍቶን ክነቅንዖን ኣገዳሲ እዩ፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሰንበት መዓልቲ ጎይታ ከምዝኾነ ከይዘንጋዕና ናብ ቤተ ክርስትያን ከይድና ቅዳሴን ቃለ እግዚኣብሔርን ቅዱስ ማህሌታትን ብምስማዕ እግዚኣብሔር ናብ ሕይወትና ክኣቱ ብምፍቃድ ጽባቔኡ ክነስተማቕር ይግባእ፣ እንኮ ንሕይወትና ብሓቂ ክብ ከብሎን ዋጋ ከውህቦን ዝኽእል መንገዲ ንሱ እዩ ብምባል የስትምህር ከምዝነበረ ገሊጾም ትምህርቱን ምኽሩን ክንክተል ኣተሓሳሰቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.