Home Archivio
2009-06-02 15:56:43
ጴጥሮሳዊ ሓላፍነት
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 8 ግንቦት ክሳብ ዕለት 15 ግንቦት 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዕዉት ከምዝነበረን፣ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ውጽኢቱ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎን ተሓቢሩ።
ብሕልፊ ድማ “ንናይ ቅድስቲ መሬት ቤተ ክርስትያን ስብከተ ወንጌል ከምኡ’ውን ንማኅበረ-ክርስትያን እተበርክቶ ሓዋርያዊ ኣገልግሎታ ዓብይን ዘድነቕን ኣስተዋጽኦ ንክህልዎ ከምዝሓገዘን” ናይ ምሥራቕ ሥርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ሌዮናርዶ ሳንድሪ ምስ ረድዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም።
“ሓደ ብሽም ክርስቶስ ናይ እግዚኣብሔር ቤተ ክርስትያን ክጓሲ ዝተሓርየ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ፣ ናብታ ናይ ኢየሱስ ሃገር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይድ፣ ነቲ ጴጥሮሳዊ ሓላፍነት ምሥጢሩ ዓሚቝ ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ድማ ቤተ ክርስትያን ንዋንኣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እነሀትልካ ንምባል ኢዩ። ር.ሊ.ጳ. ሕዝብን ቤተ ክርስትያንን ናብ ክርስቶስ ዘቕርቡን ክርስቶስ ናብ ኵሉ ሕዝቢ ዘብጽሑን ኢዮም” ኢሎም።
“ኣብታ ሃይማኖታውን ፖለቲካዊ ምግምማዓት ዝረኣየላ ሃገር ቅዱስ ኣቦና ንዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ፣ ብዙሕ ቆላሕታ ንኸይግበረሉ ዝድርኽ ኢዩ ዝብል ግምት ኔሩ ኢዩ፣ እንተ ኾነ ግን እቲ ዘሎ ምግምማዓትን ፍልልያትን ብዘየገድስ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንዅሉ ጸጋ ኢዩ ኮይኑ። እቲ ዝርኤ ፍልልያት ንናይ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ናይ ጴጥሮስ ተልእኮ ብዓውታ ክቃላሕ ገይሩ ኢዩ”። ‘ንሓደ ኣምላኽ ኢና እነምልኽ’ ብዝብል መሪሕ ቃል ምስ ኵለን ሃይማኖታት ዝፈጸመዎ ርክባትን ኣብ ቅዱሳት ሥፍራ ዝፈጸመዎ ምብጻሕን ናይ ጸሎት ሥነ ሥርዓትን ህላዌ እግዚኣብሔር ዝምስክርን ካቶሊካውያን ብሕይወቶም መሰኻኽር ህላዌ እግዚኣብሔር ክኾኑ ዘተባብዔ ኢዩ” ኢሎም።
“እታ ቅድስቲ መሬት ብዘይ ማኅበረ-ክርስትያን ከይትተርፍ ቅዱስነቶም ዝበልዎ ሓደራ፣ ኣብ ግብሪ ክውዕል ክብጻሕ ኢዩ ዝበሃለሉ ብስምዒት ዝእወጅ ሰላም ዘይኮነስ ክውንነት ሰላም ዘድልዮ ምዃኑ ዝገለጸን፣ መሰልን ፍቓድን ሰብ ክኽበርን ናይ ሕድሕድ ምክብባር ክህሉን ጸጥታን ድኅነት ውሑስ ክኸውን ዝሓትት ጉዳይ ምዃኑ ዝገለጸን ናይቲ ክሊ ሕዝቢ ደላይ ሰላም ክኸውንን ናይቲ ክሊ ፖለቲካ ነጸብራቕ ናይዚ ክኸውን ዘተሓሳሰበን ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ ድማ ነዚ ከተባብዕ ዝተሓሳሰበ ኢዩ” ቢሎም፣ “እቲ መገዲ ሰላም ዝበሃል ኵሉ የነቓቕሕ ኣሎ” ቢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።
All the contents on this site are copyrighted ©.