2009-06-02 15:57:13

ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ድርገት


ናይ ኤውሮጳ ፓርላማ ንምሕዳስ ዝግበር ኤውሮጳዊ ሕዝባዊ መረጻ፣ ዕለት 4 ሰነ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያንን ሆላንድን ብዝካየድ ሕዝባዊ መረጻ ክጅመር ምዃኑ እንክንገር፣ እዚ ኣብ ኩለን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝካየድ ኮይኑ፣ ዕለት 7 ሰነ 2009 ዓ.ም.ፈ ክጠናቐቕ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እዚ 736 ሓደሽቲ ኣባላት ሕዝባዊ ባይቶ ሕብ RealAudioMP3 ረት ኤውሮጳ ዘቕውም 375 ሚሊዮን መራጺ ሕዝቢ ዘሳትፍ ሕዝባዊ መረጻ’ዚ፣ ብሓላፍነትን ንጥቕሚ ሕዝብን ኤውሮጳን ኣሚቱ ክትግበር ከምዘለዎ ናይ ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ዝሓቁፍ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ድርገት ብሓባር፣ ሓንቲ ብልጽቲ ናይ ሓባር ኤውሮጳዊት ገዛ ምሕናጽ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘተሓላለፎ ሰነድ ሓደራ ከምዝበለ ተገሊጹ። ኣብዚ ናይ ኤውሮጳ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ናይ ሓባር ድርገት ናይ ኢጣሊያ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ወኪል ኣብ ኢጣሊያ ናይ ፒያቸንሳን ቦቢዮን ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ጃኒ አምብሮሲዮ ብዛዕባ እቲ ዝተመሓላለፈ ሰነድ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ “ኣብታ ናይ ኵሉ ቤት ዝኾነት ኤውሮጳ መሰልን ፍቓድን ምኽባር ዝረጋገጸሉን ሰብኣውነት ዝዕብልለሉን ኣብ መንጎ ሕዝብታት ምክብባርን ምቅብባልን ዝህልወሉ ናይ ኵሉ ዝተፈላለየ ባህልን ሰብኣዊ ሕይወትን ፍትሕን ዝኽበረሉን ዝንበረሉን ምትሕብባርን ዝረጋገጸሉን ክኸውን ይግባእ” ቢሎም እቲ ሰነድ ነዚ ዝገልጽ ኢዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

“ኤውሮጳ ብዘይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ሕዝባ መጻኢ ሕይወት ክትዋሓስ ከምዘይትኽእል ኢዩ እዚ ዓይነት ኤውሮጳውነት ምርግጋጽ ኣገዳስን መሠረት ኵሉ ኢዩ፣ እዚ ክበሃል እኮሎ ካብቲ ቅድሚ 64 ዓመት ተኸሲቱ ዝነበረ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንነጀው ዝተረጋገጸ ሰላም፣ ከዕንቀፍን ሸለል ከይበሃል ክብር ዋጋ ናይ ሰላምን ኤኮኖሚያዊ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ዝረጋገጸላ ኤውሮጳ ክተኸውን ዘተባብዕ ሰነድ ኢዩ” ኢሎም።

“ናይ ኤወሮጳ ህዝብን ባህሉን ክቡር ዋጋ ሕይወትን ክርስትያናዊ መበቆል ኤውሮጳ ብምኽባር ሰላም ዘነቓቕሕ ሕብረት ክኸውን ከምዘለዎ ድርገት ብፁዓን ጳጳሳት ኤውሮጳ የተባብዕ ቢሎም፣ ኤውሮጳ ነዚ እተተባብዕ እምበር ብቴክኖክራሲ እትመሓደር ክፍሊ ዓለም ክተኸውን ከምዘይግባእ ዝጽውዕ መልእኽቲ ኢዩ” ብምባል ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.