2009-06-02 17:21:36

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ መንግሥቲ ኡክራይን መራሕ መንግሥቲ ፕረሲደንት ቪክቶር ዩሸንኮ ተቀቢሎም አዘራሪቦም፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ንግሆ ንናይ መንግሥቲ ኡክራይን ፕረሲደንት ቪክቶር ዩሸንኮ ምስ በዓልቲ ቤቶም አብ ቤት ጽሕፈቶም ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎም አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ ።

በቲ መግለጺ መሠረት፡ እቲ አብ መንጎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን ናይ ኡክራይን ፕረሲደንት ቪክቶር ዩሸንኮን ዝተኻየደ ዘተ፡ ርክብ ቅድስቲ መንበርን መንግሥቲ ኡክራይንን ከምኡ ክአ ሀገራት ሐቆፍ ጉዳያትን ዘተኮረ ኢዩ ነይሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ ኡክራይን መራሕ መንግሥቲ ፕረሲደንት ቪክቶር ዩሸንኮን ቅድስቲ መንበርን ኡክራይንን አብ ማኅበራውን ባህላውን መዳያት ብሓባር ከሥርሖም ዝኽእል ኵነታት ብዚምልከት ሓሳብ ንሓሳብ ከም ዝተለዋወጡ እቲ ናይ ቫቲካን መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

ድሕሪ’ቲ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን ናይ መንግሥቲ ኡክራይን ፕረሲደንት ቪክቶር ዩሸንኮን ፡ ፕረሲዳንት ዩሸንኮ ምስ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሮም ቮሎድሚር ዀይኖም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሐፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዝዮ በርቶነን አብ ቫቲካን ምስ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ሐላፊ ሊቀጳጳስ ብፁዕ አቡነ ዶመኒክ ማምበርቲን ከም ዝተራኸቡን፡ ብተመሳሳሊ ርእሰ ጉዳያት ከም ዝዘተዩን እቲ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አገንዚቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.