2009-06-02 15:57:44

ምእንቲ ሓድነት ክርስትያንን ሰላም ኣብ ዓለምን


RealAudioMP3 ምእንቲ ሓድነት ክርስትያንን ንምርግጋጽ ሰላም ኣብ ዓለምን ናይ ጸሎት ሥነ ሥርዓት ብዝሓለፈ ቐዳም ኣብ ዋዜማ በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ኢየሩሳሌም ከምእተኻየደ ተሓቢሩ። ኣዚ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ እትርከብ ናይ ሶሪያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ማርቆስ ዝተለላለያ ኣቢያተ ክርስትያናት ብሓባር ዘካየድኦ ናይ ጸሎት ሥነ ሥርዓት ምኻኑ ተሓቢሩ።

እዚ ሓድነትን ሰላምን ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሉ ኩርናዕ ዓለም ክበጽሕ ሓቂኑ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ሥነ ሥርዓት’ዚ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ክካየድን ኣቢያተ ክርስትያናት ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ናይ ክርስቶስ ኣካል ምዃና ዝገልጽ ሚስጢር ክሓብራን ዘነቓቕሕን ሰላም ኣብ ኵሉ ክረጋገጽን፣ ምእንቲ’ዚ ክጽለ ካቶሊካ ኡኒዮ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጎ ናይ ምሥራቕን ምዕራብ ኣቢያተ ክርስትያናት ውሕደት ዝሓሊ ማኅበር ዘነቓቐሖ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኣቢያተ ክርስትያናት ቤት ምኽሪ ዘነቓቐሖ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም ሰሙን ለብዘበን ኣብ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ሰላም ክረጋገጽ ነዚ ዝሓስብ ካብ ዕለት 4 ክሳብ ዕለት 10 ሰነ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኩለን ኣቢያተ ክርስትያናት ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ጸሎት እናገበርካ ሓቀይና ሓበሬታ እናመሓላለፍካ ውግእን ውጥረትን ንኽውገድ ምሕታትን ምንቅቓሕን ብዝብል መደብ፣ ንውግእ ዝፈስስ ርእሰ ማል ሰላም ንምርግጋጽ ንዝሕግዙ መደባት ክውዕል እናገበርካ፣ ነቲ ን 70 ዓመት ብቐጻሊ ኣብ መግኖ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ መዕለቢ ዘይተረኸበሉ ውጥረት ንኽውገድ ናይ ኣሕዛብ ማዕርነት መሰልን ፍቓድን ውሑስ ክኸውንን ኣድልዎን ዓመጽን ንኽውገድ ዝሕግዝ ፖለቲካ ኣብቲ ከባቢ ክረጋገጽ ፍትሕን ዕርቅን ክወርድ ድማ ኩሉ ደላይ ሰላም ክከውን ዘነቓቕሕ መደብ ጸሎት ምኳኑ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.