2009-05-31 19:24:14

ኣብሩዞ


RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ ኣብሩዞ ክፍለ ሃገር ተኸሲቱ ብዝነበረ ርእደ መሬት ናይ ሞት ሓደጋ ነዘጋጠሞም ናይ መንበረ ጥበብ ተመሃሮ ናይ ሊቅነት ክብሪ ማዕርግ ብስሞም ንወለዶም ከምእተውሃበ ተሓቢሩ።

ድሕሪ እዚ ናይ ክብሪ መዓርግ መደብ፣ ቀጺሉ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝሠርዑ ኣብ ላኣኵይላ ናይ መናብረተ ጥበባት ሓዋርያዊ ኖልዎ መራሒ ኣባ ልዊጂ ዲ ኮኮ፣ “እቶም በቲ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ተመሃሮ መንበረ ጥበብ፣ ኩሉ ተስፋ ክቖርጽ ዘይኮነስ ኣብ ጽባሕ ዘሎናን ናይ መጻኢ ተስፋናን ክነጥጥዕ ዘተባብዑ ክኾኑ ይግባእ” ከምዝበሉ ተገሊጹ።

ካብቶም በቲ ርእደ መሬት ናይ ሞት ሓደጋ ካብ ዘጋጠሞም ተመሃሮ ውሽጢ ናይ 25 ተመሃሮ ወለድታት እቲ ናይ መንበረ ጥበብ ተመሃሮ መንበሪ ሕንጻ ንሓደጋ ርእደ መሬት ዝፃወር ኮይኑ ዘይተሃነጸ ብምንባሩ ኢዩ ደቅና ነዚ ናይ ሞት ሕደጋ ዝተቓልዑ ቢሎም ኣብቲ ናይ ምዕዳል ናይ ክብሪ ማዕርግ ከምዘይተረኸቡን ነቲ ናይ ክብሪ ማዕርግ ኣይንቕበልን ከምዘበሉ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ በቲ ርእደ መሬትን ቤቶም ንዝዓነዎም ኣብ ጊዚያዊ መዕቆቢ ንዝርከቡ ኣባይቲ ይሥርሕ ከምዘሎን፣ ክሳብ ዕለት 15 መስከረም 2009 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ ናይ ጊዜ ገደብ ውሽጢ ን 30 ሺሕ ተመዛበልቲ ሓደሽቲ ኣባይቲ ክዕደል ምዃኑ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.